Friday, April 27, 2018

ኣቶ ጌታቸው ኣምባዬ ካብ ስልጣን ዝተላዓሉ ብግዕዝይናን እሱራት ኣይፈትሕን ብምባሎም እዩ ተባሂሉ።



  ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ቀረባ ግዜ ጠቅላይ ዓቃቢ ሕጊ ኮይኖም ዝሰርሑ ኣቶ ጌታቸው ኣምባዬ ካብ ስልጣን ዝተላዓሉ ምስ ግዕዝይናን እሱራት ኣይፈትሕን እንዳበሉ ብምሽጋሮም ምዃኑ ናይ ኢሳት ምንጭታት ገሊፆም።
  ናይ ቀደም ዓቃቢ ሕጊ ብዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው ኣምባዬ፣ ብኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ ይኹን ብሓድሽ ጠቅላይ ሚኒስተር ፈለስቲ ንክፈትሑ ተሓቲቶም እምቢተኛ ኮይኖም ምፅነሖም ,ውን ንፍላጥ ተኻኢሉ። ብፍላይ ናይ ዋልድባ ፈለስቲ ካብ እሱር ንዘይምልቃቅ ከይተፈትሑ ንክፀንሑ ገይሮም እዮም ተባሂሉ።
  ብኣዴን ወኪሎም ኣብ ዝተፋላለዩ ናይ ስልጣን ደረጃታት ብፉሉይ ሓላፍነት ዝሰርሑ ኣቶ ጌታቸው ኣምባዬ ብግዕዝይና ይፍለጡ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ፍትሒ ቢሮ ኮይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ ወቅቲ ብዙሓት ዳያኑ ብምብራርን ናይ ጠበቃ ፍቓድ ብምኽልኻል ከምኡ 'ውን ብዝተፋላለዩ ናይ ስነ-ምግባር ሽግራት ዝጥቀሱ ኣቶ ጌታቸው ኣምባዬ ምስ ነጋዶ ብዘለዎም ምትእስሳር ጉቦኛን ንጥቅሚ ደው ዝበሉ ምዃኖም ይዝረብ።
  ሚኒስተር ፍትሒ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ 'ውን ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ብሓሶት ብምውንጃል እንዳኸሰሱ ናብ ፍርዲ ዘቅርቡ ዝነበሩ 'ውን ንሶም ባዕሎም እዮም ተባሂሉ።
  ኣብ መወዳእታ፣ ኣቶ ጌታቸው ምስ ሰበ-ስልጣናት ተናቢቦም ብዘይምስረሖምን ብግዕዝይና ዝጥርጠሩ ብምዃኖም በቲ ሓድሽ ካቢኔ ንኸይጣቃለሉ ከም ዝገበረ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊፁ።


No comments:

Post a Comment