Wednesday, May 2, 2018

ኣዲስ ኣበባ ወሲኹ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቁርራፅ ብርክት ዝበበላ ከተማታት ብፀልማት ተዋሒጠን ከም ዝነበራ ተገሊፁ።





ኣብ ግድብግልገል ጊቤ ናይ ሓይሊ መመንጨዊ ጣብያ ብዝተፈጠረ ፀገም ናይ ኢትዮጵያ ከተማታት ብፀልማት ምውሓጠን ንቡዙሓት ዘተሓሳሰበ ከም ዝነበረ እንትግለፅ ፣ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮርፖሬሽን ፀገሙ ተፈቲሑ መብራህቲ ከም ዝተለቐቐ ዋላ እንተገለፀ ዝተወሰና ከተማታት ግና ሐዚ እውን ብፀልማት ተዋሒጠን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።
ኣብ ግልገል ጊቤ ሓይሊ መመንጨዊ ዝተፈጠረ ፀገም ናይ ኤሌትሪክ ምቁርራፅ ብምስዓቡ ናይ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበላ ከተማታት ብፀልማት ተዋሒጠን ከም ዝነበራን ፣ኣብቲ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ናይ ኤሌትሪክ ሓይሊ ብምቁርራፁ ናይ ዓለምለኸ ትካላት መቐመጢት ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብፀልማት ከም ዝተውሓጠት ይግለፅ።
ኣብ ኢትዮጵያ ግልገል ግቤ ናይ ሓይሊ መመንጨዊ ግድብ ናብ ኬንያ ዝኸይድ ማይ ብምቕናሱንቀላይ ቱርካና ድማ መጠኑ እናቐነሰ ከም ዘሎን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተቓውሞ እናቕረበት ከም ዝፀንሐትን፣ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓትድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕፅረት  ኣብ ዘለሉ እዋን ንናይ ደገ ጎረቤት ሃገራት ኤሌክትሪክ ንምሻጥ ስምምዕነት እናተገበረ ከም ዝፀንሐ ይዝከር

No comments:

Post a Comment