Wednesday, May 2, 2018

ናይ ኢትዮጵያ ኣታውታትን ጉምሩኽን ብዓል ስልጣን ምስ ናይ ኢንሹራንስ ትካላት ብሓባር ቅድሚ ኩነታት ዋሕስ ብዘይብሉ ምስ ምሃብ ተተሓሒዙ ዝወስዶ ዘሎ ስጎምቲ ስምዒት ከም ዝፈጠረ ተገሊፁ።



እቲ በዓል ስልጣን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ወሃብቲ ድጋፍ (ትካላት ኢንሹራንስ)ምሃብ ጠጠው ዘበለሉ ቅድሚ ኩነታት ዋሕስ ንኸይህብ ከም ዝኣገደ ይዝከር ፣ይኹን ዳኣ እምበር ቅድሚኡ ካብ ቀረፅ ነፃ ዝኾኑ ዝኣተዉ ብፍላይ ድማ ናይ ኮንስትራኽሽን ማሽናት፣ተሽከርከርቲ፣ከምኡ እውን ኣገልግለቶም እንትውዱኡ ካብ ሃገር እንትወፁ ተመሳሰልቲ ኣቁሑት ግብሪ ዘይተከፈለሎም ንምእካብ ስጎምቲ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።
በዚ ስጎምቲ ናይ ቃሊቲ ጨንፈር ጥራሕ ካብ 160 ሚሊዮን ብር ንላዕሊ ካብ ናይ ሃገር  ውሽጢ ኢንሹራንስ ትካላት ምእካብ ከም ዝተኽኣለን ፣እዚ ስጎምቲ ንምውሳድ ብዝብል እቲ በዓል ስልጣን ብግዝያዊ ናይ ሓደ ሓደ ትካላትኢንሹራንስ ናይ ባንኪ ሒሳብ ንኸይንቀሳቐስ ኣጊዱ ከም ዝነበረ ተገሊፁ።
 ብምኽንያት እቲ ስጎምቲ ናይቲ ኢንሹራንስ ትካላት ብማሕበሮም ተወዲቦም  ነቲ በዓል ስልጣን ዝተሰመዖም ስምዒት ጽሒፎም ከም ዝሃብዎን ፣ብስሚዒቶም ምኽንያት ሓደ ሓደትካላት ኢንሹራንስ እቲ በዓል ስልጣን ናይ ዋሕስ ሰነድ ካሊእትካል ናይ ዋሕስ ዝሃቦም ዕዳ ንኽኸፍሉ ዝጥየቕሉ ኣሰራርሓ ከም ዘሎን ፣ዋሕስ ዝተውሃቦ ዕዳ ኣይተኸፈለን ብዝብል ናይቲ ትካል ናይ ባንኪ ሒሳብ እንትእገድ ምስቲ ዕዳ ተመጣጠኒ ብዝኾነ ገንዘብ እንትኣትውን ናይቲ ትካል ገንዘብ ብምሉኡ ዝእገደሉ ኩነታት ከም ዘሎን፣ ከምኡ እውን ናይተንትካላትኢንሹራንስ  ዝተሓተቶ ዕዳ ከፊሉ ገንዘቦም ካብ ለኣኽቲ ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ሰበስልጣን ምትሕብባር ከምዘይገብርሎም እተንትካላትኢንሹራንስ  ቅሬታ ከም ዘለዎም ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment