Monday, May 28, 2018

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን ዴ.ም.ህ.ት ተፀንቢሮም።ካብኣቶም ኣስማቶም ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ፣



- ሳሚኤል ገብሩ፤ሓጎስ ገብረትንሳኤ፤ኣማኒኤል ክፍለ፤ፍቓዱ ኑጉሰ፤ፍሳሃ ገብ/ህንን ሚኪኤለ ተስፉን ሽድሽቲኦም ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ሑሞራ እንትኾኑ፣
- ቴድሮስ ተሸመ ታከለ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ እንዳቦ ቁሸት ማይፍላሶ ዝዓዱ፣
- ብርሃነ ተክለማርያም ወለገብሪአል፣ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ ጣብያ ኣደባይ  ቁሸት 02 ዝዓዱ፣
-ሽሻይ ውሬታ በየነ ካብ ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ እንዳመድሂንኣለም ቁሸት ማይ ሊሓም ዝዓዱ፣
-ሻንበል ጥጋቡ ታከለ ካብ ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ማይዓይኒ ቁሸት ሕዶኣንበሳ እንትኾኑ ንሳቶም ብሓባር ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከቢድ ዝኾነ ሽግር ማሕበራዊ መነባብሮን ስራሕ ስእነትን ነጊሱ ብምህላው ነዝን ካልኦት ፀገማትን ንምእላይ ድማ ካቲ ስርዓት ተፀቢኻ ዝፍታሕ ዘይኮነስ መፍትሒኡ ቃልሲ ምኻኑ ብምእማን ኢና ናብ ውድብ ዴምህት ክንቃለስ ተፀንቢርና ክብሉ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment