Saturday, June 16, 2018

ቁፅሪ ኣብ ሃረር ዝቖሰሉ ሰባት 9 ምብፅሑ ተገሊፁ።



  ኣብ ከተማ ሃረር ወረዳ ሃኪም ንኢቨስተራት ተባሂሉ ዝተዓደለ መሬት ሓሮስቶት ኣይነፍቅድን ብምባሎም 9 ሰባት ብኣባላት ፉሉይ ሓይሊ ብዝተተኮሰ ጥይት ቆሲሎም።
  እቲ ህዝቢ ተቓውሙኡ ብምስምዑ ነቲ ቦታ ከይተኸለለ ተሪፉ።ኣብቲ ተቓውሞ ዝገልፀሉ ዝነበረ እዋን ድማ ሓፍቲ ናይቲ ክልል ፕሬዚዳንት ዘስረሐቶ ፉቕ ብኣእማን ተወቒዑ።ኣብዘሓ ተወለድቲ ናይ ክልል ኦሮሞ ዝነብርሉ ሶፊ፤ድሬ ጠያራን ወረዳታት ረር እንትኾኑ ክልል ሃረር መሰሎም ክሕልዎሎም ከም ዘይክኣለ ብምግላፅ ናብ ክልል ኦሮሞ ንኽጥቕለሉ ብተደጋጋሚ ሕቶኦም ከቕርቡ ፀኒሖም እዮም።
   ኣብ ሞንጎ ሃብልን ኦህዴድን ዘሎ ውጥረት ኣብ ቀረባ እዋናት ናብቲ ክልል ዝበፅሑ ሓዱሽ ጠ/ሚኒስተር ኣብይ ኣህመድ ተወሳኺ ፈተና ክኾኖም እዩ ተባሂሉ እናተገለፀ ይርከብ።

1 comment: