Saturday, June 16, 2018

ኣብ ክልል ኦሮምያ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ክፈናቐሉ ንምግባር ክሙኩር ዝፀንሐ ሓደ ዝተወደበ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ተገሊፁ።



  ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ኣምሃራ ኣፈናቒልኩም፤ወይ ድማ ንኽፈናቐሉ ፈቲንኩም፤ፅልኢ ዘሪእኹም ወይ ህዝቢ ንህዝቢ ንኽፃላእ ምኽንያት ኮይንኩም ዝተብሃሉ ናይ ዞባ፤ወረዳ ፤ጣብያን ናይ ዝተፈላለዩ ፉሉያት ጣብያታት ኣመሓደርቲ ወሪዶም፣ናይ ሓደ ሓደ ድማ ብሕጊ ንኽረአ ተግይሩ ይብል ናይቲ ክልል ተለቪዥን ጣብያ።
  ህዝብታት ኣምሓራ ኣሕዋትና እዮም፣ብዘይ ንሳቶም፣ንሳቶም ብዘይካና ወይ ሓደ ብዘይ'ቲ ሓደ ክንነብር ኣይኽእልን ኢሎም።ስለዝኾነ ኣሕዋትና ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዘይዝኾነ ስግኣት ሰሪሖም ንባዕሎም ክልውጡ፤ሃፍቲ ክጥርዩ ይኽእሉ፤ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮምያን ኣምሓራን ምትእምማን ንኸይህሉ ዝጎዩ ከምዘሎው ኣብዚ ሰሙን ዝተርኣየ ተግባር ምዃኑ ኣረጋጊፀ ኣለኹ።ስለዚ ናይ ክልቲኡ ክልል ህዝቢ ነዚ ሽርሒ ክምክቱ ይግበኦም ክብሉ ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮምያ ዝኾኑ ኣይተ ለማ መገርሳ ተዛሪቦም።
  ኣብ መዎዳእታ፣ኣብ ክልል ኦሮምያ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ክፈናቐሉ ንምግባር ክፍትን ዝፀንሐ ሓደ ዝተወደበ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዐልዎ ተዛሪቦም ክብል እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

1 comment: