Sunday, November 15, 2015

የህዝብን ጥያቄ የይስሙላ በአልን በማክበር አይመለስም!!

ሕቶ ህዝቢ ምስሉይ በዓላት ብምኽባር ኣይምለስን፣

በሁመራ ከተማ የሚገኙ አስተዳዳሪዎች በቤት አሰጣጥ ላይ በተፈጠረው ማዳላት ምክንያት ዲሃው ህዝብ መኖሪያ ቤት በማጣቱ ምሬቱን እየገለፀ ይገኛል።

በወርዒ-ለኸ ወረዳ የሚገኙ ወጣቶች ለማህበር እየተባለ የሚከፍሉትን ገንዘብ ህጋዊ መቀበያ ወረቀት ስለ ማይሰጣቸዉ በድጋሚ ለመክፈል እየተገደዱ መሆናቸዉ ታወቀ።

በላዕላይ አድያቦ ወረዳ የሚኖር ህዝብ ለገዢው የሕወሓት/ኢህአዴግ አስተዳደሮች በሚደረጉ ስብሰባዎች ከናንተ የምንጠብቀው መልካም ነገር የለም በማለት ላይ እንደሚገኝ ታወቀ።

በትግራይ ክልል እስር ቤቶች ፍርደኛ ተብለው ታጉረው የሚገኙ በሺዎች የሚቆጠሩ ወጣት ዜጎች አብዛኛዎቹ ወንጀል የሌላቸው የፖለቲካ እስረኞች እንደሆኑ ተገለፀ።

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ኣብ ዕደላ ገዛ ብሌላን ጉላሌን ስለ ዝፍፅምዎ እቲ ድኻ ግን ጠማቲ ሲኢኑ ክብሉ ነበርቲ መረረቶም ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ወርዒ ለኸ ዝርከቡ መንእስያት ንማሕበር መንእስይ እናተብሃለ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ናይ ቅቢሊት ወረቐት ስለ ዘይዋሃቦም ደጊሞም ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝነብር ህዝቢ ንኣመሓደርቲ ገዛኢ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት ካባኹም ንፅበዮ ሰናይ ነገር የለን ኣይመረፅናኩም ይብሎም ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ፍርደኛ ተባሂሉ ተዳጒኑ ዝርከብ ብኣሻሓት ዝቑፀር መንእሰይ እቲ መብዛሕትኡ ገበን ዘይብሉ ናይ ፖለቲካ ፍሩድ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።