Monday, October 3, 2016

ናብ ዩኒቨርሲቲታት ጐንደርን ባህርዳርን ዝተመደቡ ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ብምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝጉሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ብምስጋእ ኣብቲ ቦታ ክመሃሩ ከምዘይደልዩ ኣፍሊጦም።



ብመሰረት ዝተረከበ ሓበሬታ፣ ብሰንኪ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ኢህወደግ ዝተፈጠረ ፖሎትካዊ ቀውስን ግጭትን መፍትሒ ስኢኑ ኣብ መላእ ሃገርና ተቐፃፂሉ ዝቕፅል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ብምስጋእ ናብ ዩኒቨርሲትታት ጐንደርን ባህሪዳርን ዝተመደቡ ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ናብቲ ከባቢ ከይዶም ክመሃሩ ከምዘይደልዩ ንሬድዮ ጀርመን መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ቃሎም ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።
ኣብ መላእ ሃገርና ሰላም ፍፁም ጠፊኡ እናሃለወን ህዝባዊ ተቓውሞታት ድማ እናተጉሃሃረ ከሎን ትምህርቲ ክትቅፅል ዘይሕሰብ እዩ ዝበሉ እቶም ተምሃሮ፤ኣስዒቦም ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ከባቢታት መተማን ጐንደርን ንብዙሕ ዓመታት ዝቕመጡ ዝነበሩ ተጋሩ ኣብ ልዕሊኦም ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ንግዳይ ሞትን ዕንወት ንብረትን ኮይኖም እዮም እንትብሉ መዎዳእትኡ ድማ ኣብ መገዛእ ሃገሮም ከም ካልኣይ ዜጋ ተራእዮም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ንዓመታት ሰሪሖም ዘጥረይዎ ንብረቶም ከይሓዙ ናብ ትግራይ እናኣተውን እናተፈናቐሉ እናረአና መንግስቲ ከመይ ገይሩ ናብቲ ከባቢ ከይድኩም ተምሃሩ ይብለና ክብሉ ኣምሪሮም ከምዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  







No comments:

Post a Comment