ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣብ ዓውደ ኲናት ዝማረኾም ወተሃደራት ወያነ ሎማዓንቲ ሓሙስ 5/11/2004 ዓ/ም መማረፅታት ብምሃብ ከከም ድሌቶም ብኽብሪ ኣፋንዩ። click her video
ውድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣብ ዓውደ ኲናት ዝማረኾም ወተሃደራትን ካድረታትን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሎማዓንቲ ሓሙስ 3ተ መማረፂታት ብምቕራብ ማለት 1ይ ክጋደል ዝደሊ 2ይ ናብ ገዝኡ ዝደሊ 3ይ ናብ 3ይ ሃገር ዝደሊ ዝብሉ ነጥብታት ዘቕረበሎም እንትኸውን ከከም ምርጭኦም ድማ ነናብ ዝመረፅዎ ቦታ ከም ዘፋነዎም ሓላፊ ማእኸል ምሩኻት ዴ.ም.ህ.ት ተጋዳላይ ጌታነህ በዛበህ ሓቢሩ።
ምሩኻት ብወገኖም በቲ ስርዓት ዘይስሩዕ ጎስጓስ ይግበረሎም ስለ ዝነበረ ምስ ተማረኹ ክቐትሉና እዮም ብምባል ንህይወቶም ሰጊኦም ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ባይታ መፅኦም ምስ ራኣይዎ ግን ኣብ ህይወቶም ጉድኣት ክበፅሖምስ ይትረፍ ካብቲ ተጋዳላይ ንላዕሊ ልዑል ክንክንን ሓለፋታትን ክግበረሎም ከም ዝፀንሐ ሓቢሮም።
እዞም ሎማዓንቲ ብኽብሪ ተፋንዮም ዘለዉ ምሩኻት ኲናት ወተሃደራት ወያነ ምስ’ቲ ስርዓት ዝገልፀሎም ዝነበረ ስእሊ ብምግንዛብ ክንፋኖ ኢና ዝብል እምነት ከም ዘይነበሮም ድሕሪ ምግላፅ ውድብ ዴምህት ዝተዛረቦ ቃል ዘይዓፅፍ ስለ ዝኾነ ካብ ትፅቢቶም ንላዕሊ እቲ ናይ ምፍናው መስርሕ ተግባራዊ ገይርዎ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ዴምህት ቅድሚ ሕዚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኩናት ዝማረኾም ወተሃደራት ካድረታት ወያነ ኢህወዴግ ነናብ ዝመረፅዎ ቦታ ከፋንዎም ፀኒሑ እዩ።
ካብዞም ሎሚ ዝተፋነዉ ወታሃደራት ገለ ኣስማቶም ንምጥቃስ:-
1. ሃፍተ ተስፋይ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ዓዲ ሕርዲ ኣባል ናይ መበል 11 ክ/ሰራዊት 4ይ ሓይሊ 2ይ ጋንታ 3ይ መስርዕ ዝነበረ ካብ ብሄረ ትግራይ
2. ሙላቱ ቱላ ዞባ ምስራቅ ወለጋ ወረዳ ጉቱዋ ቀበሌ ሙቲ ኣባል 23 ክ/ሰራዊት 3ይ ረጅመንት ኣባል ሃንደሳ ዝነበረ ካብ ብሄረ ኦሮሞ
3. ጎይትኦም ወለጀወርግስ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ፀፀር ምምሕዳር ቁሸት ዝነበረ
4. መኮነን ደስታ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ሽምብሩህ ቁሸት ዓዲ ዑቕባላሰ ምልሻን ምምሕዳር ቁሸትን ዝነበረ
5. መኮነን ገ/ስላሴ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያ ዕጉብ ቁሸት ዓዲ ርእሶ ምልሻ ዝነበረ።
6. ሓለቓ ዓስርተ መኮነን ኣምታታው ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ማሓመዳ ቀበሌ 27 ኣባል 11 ክ/ሰራዊት 3ይ ረጅመንት 4ይ ሓይሊ 2ይ ጋንታ 4ይ መስርዕ ዝነበረ ካብ ብሄረ ኣማሓራ።
7. በርሀ ሊላይ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ሽምብሩህ ቁሸት ዓዲዑቕባላሰ ምልሻ ዝነበረ
8. በየነ ሓጎስ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰምሃል ቁሸት እንዳርጋብ ናይ ጣብያ ሓላፊ ምልሻ ዝነበረ።
9. ታደለ ስዩም ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ፀፀር ቁሸት ኮሶገዳይ ኣባል ድህንነት ዝነበረ።
10. በየነ ተስፋንቺኤል ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ሽምብሩህ ቁሸት ዓዲ ዑቕባላሰ ምልሻ ዝነበረን ይርከብዎም።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሻንበል መንገሻ ተስፋይ ዞባ ማእኸል ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ጣብያ ኣበበ የውሃንስ ኣባል 19 ክ/ሰራዊት 2ይ ረጅመንት ኣዛዚ 1ይ ሓይሊ ዝነበረ ዝርከቦም ምስ ዴምህት ክቃለሱ ከም ዝወሰኑ ሓላፊ ማእኸል ምሩኻት ዴ.ም.ህ.ት ተጋዳላይ ጌታነህ በዛበህ ገሊፁ።
Email;- tpdm1993@yahoo.co hadnet93@demhit.com
facebook;- ህዝባዊ ተቓላሳይ
No comments:
Post a Comment