ሕገ መንግስቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብዘለዎ ክፍተት ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ከም ዝኾነ ላዕለዎት ምሁራትን ሰብ ሞያ ሕግን ገሊፆም።
ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ዮሃንስ ወ/ገብርኤልን ፕሮፌሰር ኣለማዮህ ገ/ማርያምን ኣብዚ ሰሙን ምስ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ከም ዝበለዎ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ብስርዓት ወያነ ኢህወኢዴግ ዝወፀ ሕገ መንግስቲ መራሒ ሃገር ብሞት ይኹን ብሕማም ካብ ስልጣኑ እንተእለ ኣብ ክንድኡ መን ተኪኡ ይመርሕ ብንፁር ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ዓንቀፅ ዘይምህላዉ ኣዚዩ ዘዝተሓሳስብ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ገሊፆም።
ኣብ ኣወቓቕራ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ብሕገ መንግስቲ ዘይተማእኸል ክንዲዚ ዝኣክል ክፈተት ምህላዉ ንክብሪ ዉለቀ ሰበ ስስልጣን ክባሃል ንህዝብን ሃገርን ኣብ ሕቶን ሓደጋ ኣእትትዋ ዝፀነሐ ዘይተፈለጠ ፀድፊ ክብሉ ወሲኾም ኣገንዚቦም።
ሕጋዊ መስመር ዘየትሕዝ ነዃል ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቕካ ኣብ ስራሕ ክዉዕል ምግባር ኣምባገነናት ዝኽተልዎ ኣካይዳ ምዃኑ ምስ ኣብርሁ ኣብ ሃገርና ዝሰርሕ ዘሎ 1987 ዓ/ም ዝወፀ ሕገ መንግስቲ ካብቲ ናይ ደርግ ዝነበረ ብሓደ ሰብ ዝሽክርከር ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዝፈልዮ የብሉን ምስ በሉ እዚ ጉድ ክፍተት ክፍለጥ ዝተኸኣለ መለስ ዜናዊ ሓሚሙ ተባህሉ ካብ ስልጣኑ ንኣዋርሕ ብምርሓቑ ኣጋጢሙ ዘሎ ክፍተት ስልጣንን ብመን ከም ዝተካእ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ዓብዪ ምስሕሓብ ምስ ተፈጠር ከም ዝተፈለጥ ኣረዲኦም።
ሕዚ እዉን ይብሉ እዞም ወገናት እዚ ሕገ መንግስቲ ነቲ ተፈሊጡ ዘሎ መበግሲ ብምግባር ገና ካልእ ዘይተፈለጠ ተመሳሳሊ ፀገማት ክህልዉዎ ስለ ዝኽእል ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየዉደቐ ብዝግባእ ተፈቲሹ ሓላፍነት ብዝስምዖም ሰብ ሞያ ክመሓየሽ ከም ዘለዎ ብኣፅንዖት ኣረዲኦም።
Email;- tpdm1993@yahoo.co hadnet93@demhit.com
facebook;- ህዝባዊ ተቓላሳይ
No comments:
Post a Comment