Thursday, August 23, 2012

ኣዳማ ዩንቨርሲቲ


ተማሃሮ ኣዳማ ዩንቨርሲቲ መብዛሕትኦም ግዙኣት ሓሽሽን ዝተፈላለዩ ሱሳትን ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ። 

ስርዓት ወያነ ዝሰርሐን ዘሎ ዩንቨርሲቲታት ብቑፅሪ ልዕሊ 30 እኳ እንተበፅሓ እዚ ዝብሃል ዉሽጣዊ ዓቕሚ ስለ ዘይብለን ንሃገርን ህዝብን ዘገልግል ምሁር ኣየፍርያን ዘለዋ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ነዚ መርኣያ ድማ ኣዳማ ዩንቨርሲቲ ተማሃራይ መንእሰይ ተቐቢለን ካብ ዝምህራ ዩንቨርሲቲ ሓንቲ ኮይና ይኹን እምበር ተማሃራይ ኣብዚ ዩንቨርሲቲ ኣትዩ ኣብ ክንዲ ቁም ነገር ሰኒቑ ዝወፅእ ብኣንፃሩ ግዙኣት መዕወኒ ሓሽሽን ስሱን ኮይኖም ካብ ስነ-ምግባር ሕብረትሰብና ወፃኢ ዝኾኑ ዘየድልዩ ልምድታት ኣማዕቢሎም ክወፁ ግድን ኮይኑ ኣሎ ክብል ንዉሽጣዊ ሓበሬታ እቲ ዩንቨርስቲ ብምጥቃስ ተገሊፁ።
እዘን ከምዚ ዓይነት ዝሞተ ዓቕሚ ሰብ ዘፍርያ ዘለዋ መንግስታዊ ዩንቨርሲቲ ብሚኒስተር ትምህርቲ ብቑዓትን ቅቡላትን ኮይነን ኣብ ስራሕ እንትቕፅላ እተን ብዓቕሚ ዉሽጣዊ ትሕዝትአን ኣወዳዲርካ ካብቲ ናይ መንግስቲ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለወን ናይ ዉልቀ ኮሎጃት ግና ብሽም ፅሬት ተዓፂወን ዘለዋ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ መንግስቲ በዚ ኣቢሉ ንዉልቀ ኮሎጃት ብምፅልእላእ ንኹሉ ግልጋሎት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ንምግባር ካብ ዘለዎ ክቱር ባህጊ ዝነቅል ምዃኑ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ግዕዙይ ኣሰራርሓ ዩንቨርሲቲ ከም ኣብነት ኣዳማ እኳ እንተተገለፀ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ዩንቨርሲቲ ነቲ መፍረያይ ሓይሊ ልዕሊ ቁም ነገር ግዙእ ዝተፈላለየ ወልፊ ክኸዉን ብምግባር ሸከም ስድራን ሃገርን ክኸዉን ዝግብርኦ ዘለዋ ከይኣክል ኣብቲ ዩንቨርሲቲ ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝበታትን ብሄር ምስ ብሄረሰብ ምንፅፃልን ምጉጅጃልን ኣተሓሳስባ ሰኒቖም ሃገራዊ ስምዒት ዘይብሎም ተመሃራይ የፍርያ ከም ዘለዋ ወሲኹ ይገልፅ።



Email;-  tpdm1993@yahoo.co
    hadnet93@demhit.com    
                      ዴ.ም.ህ.ት ቪድዮ  

No comments:

Post a Comment