ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ፅንኩር ሓለዋ ድሕንነት ኣባላት ስርዓት ወያነ ከም ዝርከባ ተሓቢሩ።
ህዝቢ ኢትዮጵያን ስርዓት ወያነን ዘይራኸቡ ክልተ ጫፋት ካብ ዝኾኑ ዓመታት ኣቑፂሮም ኣለዉ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ነቲ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎ ዘሎ ተነፅሎ ክወሓጠሎም ዘይከኣለ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ዘይንታዮም ብገንዘብ ዝተዓደጉ ዕሱባት ድህንነትን ካድረታትን ኣዋፊሮም ኣብ ፅዑቕ ክትትል ብምእታዉ ዓፊኖም ሕዞሞ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ህዝቢ ካብ መረፃ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎ ፅልኣት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበኣሰ ብምምፅኡ ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ተቓዉሞታት ብሓይሊ ንምቑፅፃር ተባሂሎም ዝተዋፈሩ ልዕሊ 50 ሽሕ ድህንነትን ፌዴራል ፖሊስን ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ከም ዝርከቡ እቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ከም ዉፅኢቱ ድማ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ዉሽጦም ዘጋጥሞም ዘሎ ምስሕሓብ ካብ መዓልቲ ናብ ማዓልቲ ኣፈላላይ ኢናፈጠረሎም ዝርከብ ኮይኑ ነዚ ንምሽፋን ብበዝሒ ሓይሊ ድህንነትን ፖሊስን ናብ ህዝቢ ኣስሊኾም ብምእታዉ ዓፊንካ ምሕዝ ከም መማረፂ መንገዲ ወሲደሞ ይርከቡ።
Email;- tpdm1993@yahoo.co hadnet93@demhit.com
facebook;- ህዝባዊ ተቓላሳይ
No comments:
Post a Comment