ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ 4ተ ወረዳ ኣውራ ቀበሌ ቦሂደሉን ኡሪኮማም ኣብ መንጎ 2ተ ዓልየታት ብዝተለዓለ ግጭት ሓደሰብ እንትመውት ሓደ ሰብ ድማ ከምዝቖሰለን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሪ ዓበይቲ ዓድን ተፈለጥቲ
ሰባትን ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ፋንቲ ራሱ ዝተባሃለ ቦታ ተኣሲሮም ክሳቐዩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኮይኖም ብዋሕስ ከም ዝሰደዶም
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ዘይሓለፍነታዊ
ኣካይዳ ኣብቲ ክልል ዘይምርግጋእ ከም ዝተፈጠረን ህዝቢ ኣንፃር እቲ
ስርዓት ተቓውምኡ የስምዕ ከምዘሎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ።።
ስርዓት ወያነ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ባዕሉ ብዘሳወሮ ግጭታት ብምፍጣር ፀኒሑ ድማ ተጣባቒ ሕግን
ሽማግለን መሲሉ ብምቕራብ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ተንኮላት ሓደ ምኻኑ ክንገልፅ ምፅናሕና ዝዝከር’ዩ።።