Tuesday, November 13, 2012

ኣብ ከተማ ሽረ ህዝቢ ግዳይ ዝተፈላለዩ ፀገማት ኮይኑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

www.demhit on line.com



     ውሽጣዊ ምንጭታትና ጠቒሱ ዝበፀሓና  ሓብሬታ ከምዝሓብሮ ሎሚ ኣብ መላእ ሃገርና ብሰንኪ ጉዕዝይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ኣብ ኩሉ መዳይ ማሓውራት መንግስቲ ብገንዘብን ወገንነትን እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ዝኾነ ግልጋሎት ከምዘይረክብን በዚ ምኽንያት ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከምዘሎ ተገሊፁ፣
    ግዳይ ናይዚ ፀገም ዝኾነ ህዝቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብስእነት ፍትሕን ስእነት ስራሕን ዝፈጠሮ ኣብታ ከተማ ከምስርቅን ክትራን ዘአምሰሉ ገበናት ተስፋሕፊሖም  ዘለው እንትኾኑ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ወገናት ኣብ ልመና ዝተዋፈሩ ኮይኖም እዚ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ፀገማት ዘተሓሳሰቦም ወገናት ንመንግስቲ እቶም ጠንቅታት ኣልዒሎም ምስዝሓቱ ድማ መለዓዓልትን ደገፍትን ተቓወምትን ኢኹም ብምባል ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይበፅሖም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ገሊፆም፣
    ብተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ዘይቲ ካብ ዝጠፍእ ልዕሊ ወርሒ ዝገበረ እንትኸውን ካብ 23/2/05 ጀሚሩ ግን ብተመን ካብ ቀበሌ ክግዛእ ከምዘለዎ በቲ ስርዓት ብዝተሓበረ መሰረት ኩሉ ህዝቢ ኣብ ቀበሌ ብታራ እናተዳፍአ ይውዕል ከምዘሎ ሓቢሮም።።