Thursday, November 15, 2012

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ካብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ሰራሐተኛታት ስርሖም እናለቐቑ ምዃኖም ምንጭታት ሓቢሮም፣


www.demhit on line.com



ኣብ ምምሕዳር ዞባ ኣዊ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሓላፊ  ቤት ፅሕፈት ፕሮግራም መማሓየሺ ሲቪል ሰርቪስ ኣይተ ባይነሳስኝ ዝርከቦም ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ነፃነት ሲቪል ሰራሕተኛታት ዝዕፍን ኣካይዳ ክፃወርዎ ስለ ዘይከኣሉ ናይ ስራሕ መልቀቒ ኣእትዮም ስርሖም ጠጠዉ ከም ዘበሉ ምንጪታትና ወሲኾም ሓቢሮም፣
ከምኡ እዉን ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ጃዊ ምስ ዓማፃይን ግዕዙይ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኮይንካ ህዝብኻ ምብዳል ዳሕራይ ጣዕስኡ ዘይወፅእ እዩ ብምባል ብገዛእ ፍቓዱ ስርሑን ሓላፍነቱን ከም ዝለቐቐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣