ስርዓት ወያነ
ኢህወዴግ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ምድላዉን ህዝቢ ከየእመነ። ልዕለይ መን ኣሎ ብዝብል ስንኩፍ ኣተሓሳስባ። ብሽም ጉልባብ ኢንቨስትመንትን
ህንፀት ፋብሪካ ሽኮርን መሬቶም ዝተወሰዶም ዜጋታት ኣብ ፀገም ወዲቕና ኣለና መንግስቲ ፍታሕ ይግበረልና ኢሎም ብተደጋጋሚ ሓቲቶም
መልሲ ብምስኣኖም። ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ከካይዱ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ ስልጣን
ዝርከብ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ወገሐ ፀበሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብናይ ክብሪ መናባብሮ ድራር ዕለት ስኢኑ ኣብ ዝሳቐየሉ
ዘሎ እዋን። ሃገርና ከም ዝዓቤት ብፍላይ ከዓ ሓረስቶት ወነንቲ ሚሊዮናት ኮይኖም እናበለ ንማሕበረሰብ ዓለም ከደናግር ተዘይኮይኑ።
ዉሕዳት ካድረታት ኢህወዴግ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ኣብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ትሕቲ ድኽነት እዩ ዘሎ ክብሉ ግዳያት ብምረት ይዛረብሉ
ከም ዘለው ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም፣
ብተመሳስሊ መሬቶም ዝተመንጠሉ ናይ ኣዲስ ወይንን ኣረጋ-ኣቦን
ቀበሌታት ነበርቲ ኣንፃር መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግን ተቓዉመኦም የስምዑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣