Thursday, November 15, 2012

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ክራይ ኣካብነት ደዉ ከብል እየ እናበለ ብኣፉን ሚድያታቱን እንተገዓረ እኳ። ቀንዲ ምንጪ ግዕዝይና ባዕሉ እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ፈንዳቃ ብምረት ገሊፆም፣

www.demhit on line.com



    ኣብ ክልል ኣምሓራ እሙናት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብምዃን ህዝቢ እናበደሉ ዕድመ ስልጣን ናይ’ቲ ስርዓት ንምንዋሕ ዘገልግሉ ዝነበሩ። ብገበን ግዕዝይና ተታሕዞም ካብ 8 ዓመት ክሳብ 25 ዓመት ፅኑዕ እስራትን ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 250 ሽሕ ቅፅዓትን ተፈሪዶም ዝነበሩ ኣይተ ኣለሙ ኣለነ ዝርከቦም 12 ኣመራርሓ ከተማ ፈንደቃ። ነፃ ተባሂሎም ምፍተሖም። ፍትሒ ዝበሃል ጠቕሊሉ ጠፊኡ ከም ዝተቐበረ ዘርኢ እኹል መረዳእታ እዩ ክብሉ ነበርቲ እታ ከተማ ንምንጭታትና ኣረዲኦም፣
    ስርዓት ኢህወዴግ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ነቲ ሕገ መንግስተይ ዝብሎ ባዕሉ ብምጥሓስን ኣብ ጉዳይ ዳይነት ኢዱ ብምእታዉን ንዘፍትሖም ገበነኛታት። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ኣብያተ ፅሕፈትን ክቕመጡን ክሰርሑን ምግባሩ ከም ዘሕዘኖም ነበርቲ ከተማ ፈንደቃ ብምረት ምግላፆም ተፈሊጡ፣