ኣብ ዞባ
ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ሓላፊ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ኣይተ ዋሲሁን ኣበበ ዝተባሃለ በዓል ስልጣን። ኣብታ
ከተማ ዝርከቡ ትምህርቶም ዛዚሞም ስራሕ ስኢኖም ኮፍ ካብ ዝብሉ ተማሃሮን ባዕሎም ሰሪሖም ህይወቶም ንምልዋጥ ገንዘብ
የድልዮም ኣሎ ብምባል። ብሽሞም ኣጭበርቢሩ ካብ መንግስቲ ዝተረከቦ 3 ሚልዮን ቅርሺ ሕዙ ካብቲ ከባቢ ወፂኡ ክኸይድ ህዝቢ
ተሓባቢሩ ከም ዝሓዞ ተፈሊጡ፣
እቲ
ተኣማኒ ስርዓት ወያነ ተባሂሉ ሚልዮናት ገንዘብ ከም ቃሕትኡ ከንቀሳቕስ ዝተቐመጠ ካደረ። ቅድም ክብል እዉን ብሽም መንእሰይ
ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ክነዋፍሮም እናበለ ከዉፅኦ ዝፀንሐ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣዉፂኡ
ምስ ላዕለዎት ሓለፍቱ ተማሓዚዩ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ከም ዘዉዕሎ ተርእዮታት ይቐርበሉ እኳ እንተነበረ ዝምልከቶም ኣካላት ግና
ንሓበሬታ ህዝቢ ቆላሕታ ስለ ዘይሃብሉ ግዕዙይ ተግባራቱ ኣጋዲዱ ክቕፅለሉ ባይታ ከፊተምሉ ከም ዝፀንሑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ኣረዲኡ፣