Wednesday, July 31, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ሰበ ስልጣን ይበልዕዎ ኣለዉ ብምባል ነባራይ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ፣



ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ፀገም ዝርግሐ መሰረተ ልምዓት ብፍላይ ከዓ ስእነት ፅርጊያ ንምፍታሕ ነባራይ ሕብረተሰብ ባዕሉ ተሓባቢሩ ፀገማቱ ብዝተኸኣለ ንምቅልላል ኢሉ ኣፉ ገዲፉ ንመስርሒ ፅርጊያ ክዉዕል ዘዋፅኦ ብርክት ዝበለ ገንዘብ። ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ባዕሉ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ምስ ወስዶ ብሎሚ ፅባሕ ክስራሕ ይኸዉን እናተባህለ ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ክፅበ ፀኒሑ ዓቕሉ ስለ ዝተፀንቀቐ ብ19 ሓምለ 2005 ዓ.ም ሓያል ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ንስራሕ ክዉዕል ዘዋፃእናዮ ገንዘብና ኣበይ ኣሎ? ስራሕ ኣይንሰርሕ ትብሉ ተኾይንኩም ድማ ገንዘብና ከምታ ዝሃብናኩም ናብ ኢድና መልሱልና ክብል ተቓዉሞ ሰልፊ ዘካየደ ኮይኑ። እቲ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ተቐቢሉ ዝወሰደ ኣይተ ፀጉ ጌጡ ዝተበሃለ ኣመሓዳሪ 2.7 ሚልዮን ብር መሕበጢ ጅብኡን መማልኢ ዉልቃዊ ጣጥኡን ኣዉዕልዎ ከም ዝኾነ እናተፈለጠ። ነቲ ዝበልዖ ገንዘብ ክምልሶ ዝሓቶ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይተረኸበን፣ ነቲ ሰልፊ ዝወፀ ህዝቢ እንተኾነ እዉን ኣጓጣጥን  ምፍርራሕን እንተዘይ ኮይኑ ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዘይተዋሃቦም ተፈሊጡ፣