ኣብ ዞባ
ማእኸል ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨዉ ንቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻ እታ ወረዳ ተባሂሉ ዝተመደበ ባጀት፤ ጉዕሽ ዝተባሃለ ሓላፊ
ሰራሕተኛታት ልምዓት ሕርሻ ምስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ሰራሕተኛ ዕደጋን ብምዃን ንመዕደጊ ንብረት ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻ ብዝብል ብ12 ሓምለ 2005
ዓ.ም ወፃኢ ጌሮም ዝተረከብዎ ገንዘብ ንምጉሓል። ኣብ መንጎኦም ዘይሓላፍነታዊን ምሽጥራውን ስምምዕ ብምግባር እቲ ገንዘብ ንብረት ከይተዓደግሉ፣ ዝዓደግሉ ዘምስል ናይ ሓሶት
ሰነድ ሒዞም ብምቕራብ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ከም
ዘውዓልዎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እንተኾነ
ግና ድሕሩ ብዝተገብረ ናይ ንብረትን ሰነድን ፈተሻ እቲ ተዓዲጉ
ዝተበሃለ ንብረት ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሉብምጭብርባር ኣብ ዝተዳለወ መዕደጊ ሰነድ ሓደ ሚልዮን ብር ወፃኢ ኮይኑ ከም ዝተረኸብን።
ነቲ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ክልትኦም ማለት ሓላፊ ሰራሕተኛታት ልምዓት ሕርሻን ሰራሕተኛ ዕድጋን ፋይናንስን ንሕድ ሕዶም 500 ሽሕ
ብር ተኻፊሎም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ኣዉዕለሞ ከም ዝተረኸቡ ተፈሊጡ፣
እቶም
ፀረ ህዝብን ሃገርን ዝኾኑ ዘይሓላፍነታዉያን ሰራሕተኛታት ብዝፈፀምዎ ገበን ብምትሕብባር ግዱሳት ወገናት ኣብ ፖሊስ ተኣሲሮም
ዝርከቡ እኳ እንተኾኑ። እቲ ስርዓት ብዓብይኡ ኣብ ግዕዝይና ዝተቖማጠዐ ስለዝኾነ ኣብ ወረዳን ዞባን ዝርከቡ ምስኦም ርክብ ዘለዎም ኣመሓደርቲ ብመንገዲ
ቤተ ሰብ ተኣሰርቲ ብላዕ ተቐቢሎም ክፍትሕዎም ፃዕሪታት የካይዱ ከም ዘለዉ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣