እቲ
ብኣሰነዳእነት ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ዓረናን መድረኽን ኣብ ኣዳራሽ ቤት ማዛገጃ መቐለ ብ14 ሓምለ 2005 ዓ.ም
ዝተሳለጠ ኣኼባ። ቀንዲ ዕላምኡ ብሓይሊ ስልጣን ተቖፃፅሩ ማእለያ ዘይብሉ በደል ዘዉርድ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ
ካብ ስሩ ምሒኻ ዝድርበየሉ ሜላ ምስ ህዝቢ ንምዝታይ ኮይኑ። ኣብቲ ኣኼባ ልዕሊ 1500 ዝኾኑ ተማሃሮን ምሩቛት ዩኒቨርሲቲን፤
ነባራትን ሓደሽትን ኣባላት ናይቶም ዉድባትን ክዕዘቡ ዝደልዩ ኣካላት ሕብረሰብን ኣባላትን ካደረታትን እቲ ስርዓት እንተይ ተርፉ
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፁ ዝተረኸቡሉ ኣዚዩ ዉዕዉዕን ዕዉትን ኣኼባ ከም ዘካየዱ ካብ ተሳተፍቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ ብላዕለዎት
መርሕነት ናይቶም ዉድባት ኣይተ ገብሩ ኣስራትን ጥላሁን እንዳሸዉን እናተኣለየ ዝተኻየደ ኣኼባ ብሉፅን ኣሳታፊን ነፃ መድረኽን
ብምንባሩ። ለዉጢ ደለይቲ ካብ ዘቕረብዎ ሕቶታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብና ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰላቱ ተጣሒሱ ይርገፅ ኣሎ፤
ኣብዝሓ ዜጋታት ሃገርና ንስርዓት ወያነ ፈንፊንዎ መማረፂ ኣብ ምንዳይ ይርከብ ስለዚ ንምንታይ ነቲ ኣብ ጎንኹም ዘሎ ህዝቢ
ብዝግባእ ተጠቒምኩም ናይ ስርዓት ለዉጢ ክመፅእ ዘይትገብሩ ዝብሉ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝቐረቡ ብርክት ሕቶታት ገሊኦም ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ዞባ ሰሜናዊ
ምዕራብ ዝመፁ ተሳታፋይ ብወገኖም። ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ደላይ
ለዉጢ ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ስለ ዝርከብ እቲ ኣብ መቐለ ተጀሚሩ ዘሎ ኣኼባ ኣብ ሽረ እዉን ንኽቕፅል
ዕድመ ከም ዘቕረብሎም እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣