ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ ኣርሲ ዝተቐትለ ናይ ሻለቓ መዓርግ ዘለዎ ኣዛዚ ፖሊስ፤ ኣብ መሪሕነት
ተቐሚጡ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ንዝተቓወመ ህዝቢ ኣብ ምብታን፤
ምቕታልን፤ ምእሳርን ተዋፊሩ ከም ዝፀንሐን፤ በዚ ዝነደረ ህዝቢ ከተማ ሃዋሳ
ኣብ መወዳእታ ከም ዝቐተሎ ድሕሪ ምግላፅ፤ በቲ ስጉምቲ ዝተደናገፁ ፖለስ እታ ከተማ ቀተልቲ ናይቲ ሻለቃ ንምርካብ ብዙሕ ፃዕርን ዳሕሳስን እንተገበሩ እኳ ክሰልጦም ከም
ዘይከኣለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣቀታትላ ናይቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብ ሙሉእ ኣካላቱ ብኻራ ብምውጋእ ዝተፈፀመ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ እንተኾነ’ውን ቀታሊኡ ንምርካብ ህዝቢ ካብ ገዝኡ ከይወፅእ ብምእጋድ
ሓያል ፈተሻ ከም ዝተኸየደን ብሰንኩ ድማ እቶም ነበርቲ ኣብ ከቢድ ራዕድን ፍርሕን ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ገሊፁ።