ካብ
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዓቃቢ ሰላም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ሓደ ዝኾነ ኮሎኔል ይተባረኽ ሕዝዋ ብዝነበረ መኪና ታርጋ UN
03393 ዝዓነታ ጌሩ ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ንዝነብር ኣቶ ገብሩ ዝተበሃለ ኢትዮጵያዊ ንዓናይ ምሳይ ኣዛዉረኒ ብምባል በታ መኪና
ሕዝዎ ናብ ካርቱም ባሕሪ ምስ ከደ፤ ኣብ ዉሽጢ መኪና ዝነበረ 15 ሽሕ ዶላር ስሪቑኒ ብዝብል መፀለምታ ምስ ፖሊስ ሱዳን
ብምትሕብባር ኣእስሩ ክሳቐ ጌርዎ ከም ዝርከብ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ
እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኮሎኔል ይተባረኽ ንኣቶ ገብሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምድጓኑ፤ ዘይፍቀድ ኣልኮላዊ መሰተ ስትዩ ሰኺሩ
እናሃለወ ነታ ዋንነታ ናይ UN መኪና ሕዙ እናሽከርከረ እንከሎ
ምስ ጠጠዉ ዝበለት መኪና ኣጋጭዩ መስትያታ ሰይርዋ እናሃደመ። ንኸይፍለጥ ሃብቶም ንዝተበሃለ ምስኡ ዝነበረ ተላኣኣኺኡ ሰብ ንኸይፈልጥ ከም ዘይረኣየ ስቕ ክብል ከም ዘለዎ ኣፈራርሑ
ከም ዝሰደዶ ገሊፁ።
ኣቶ ገብሩ
ክሳብ ሕዚ ኣብ እሱር እናተሳቕየ ዝርከብ ኮይኑ፤ ኣብ ሱዳን ንኣስታት 35 ዓመት ሕጋዊ ስደተኛ ብምዃን ብስራሕ ኤሌክትሪሻን
ድራር ዕለቱ እናማእረረ ክነብር ዝፀንሐ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ
ንመንግስቲ ስርዓት ወያነ ዝዉክሉ ንጥፈታትን ኣኼባታትን ተኻፋሊ ከምኡ’ዉን ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኮሚኒቲን ብኣባልነት
ዝነጠፍ ዝነበረ እንትኾን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዘዝቲ ስርዓት ወያነ ተጠቒሞም ዝድርብዩዃን መጨበጢ ዘይብሉ ምኽንያታት ፈጢሮም
ንምንታይ ክእስር ከም ዝገበርዎ 15 ሽሕ ዶላር ሒዝካ ፎቖድኡ ምዛር ኣዘዝቲ ሰራዊት ወያነ-ኢህወዴግ ክንደይናይ ብናይ ህዝብን
ሃገርን ገንዘብ ይብዕልጉ ከም ዘለውን ዝተፈላለየ ዘጠራጥር ኩነታት ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልፅ።
ብተመሳሳሊ
ኮሎኔል ንጉሰ ዝተበሃለ ገዛኢ መንግስቲ ወያነ ኢህወዴግ ዘዋፈሮ ድህንነት ኣብ ሱዳን ንዝነብሩ ኢትዮጵያዉያን መናእሰይ፤ ብኣረሜናዊ ተግባራቱ ዉሽጣ ዉሽጢ እናሰለዀ
ሰበሳብስን ዘንገላትዕን ዘሎ ከበሳብሶምን ከገላትዖምን ፀኒሑ፤ ሕዚ እዉን እቲ እከይ ተግባራቱ ብምቕፃል ምስ ተቓወምቲ ዉድባት
ይራኸቡ እዮም ብዝብል ናይ ሓሶት ፀብፃብ እናኣከበ ብስዉር ኣብ ምጭዋይን ምቕታልን ከም ዝርከብ ካብ ከተማ ካርቱም-ሱዳን
ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።