Thursday, August 15, 2013

መራሕቲ ወያነ ብበእዋኑ ሓደሽቲ ሓሳባት እናምፅኡ መዋጮ ንኽኸፍል ዘቕረብሉ ዘለዉ ግዴታ ህዝቢ ቆላ-ተምቤን ከም ዝተቓወሞ ካብቲ ስፍራ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።




ብ4 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ብኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ ንነበርቲ ቆላ-ተምቤን ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ኣጀንድኡ ህዝቢ ብሽም ፋዉንደሽን መለስ ገንዘብ ንኸዋፅእ ዝጠልብ ከም ዝነበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብወገን ተኣከብትን ዓበይቲ ዓድን ዝተወሃበ ምላሽ ድማ ክሳብ ሎሚ ዓመት ዓመት ዝተፈላላዩ ሜላታት እናፈሓስኩም ገንዘብ ክተኽፉልና ፀኒሕኹም፤ ሕዚ ድማ ብሽም  ዝሞተ ኣይተ መለስ  ምልማን ጀሚርኩም ብምባል ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።

   ብተወሳኺ ካብቶም ነበርቲ ቆላ-ተምቤን ዝኾኑ ኣይተ ገብረመስቀል ረዳ ብወገኖም ኣብቲ ኣኼባ “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንማዳበርያ፤ ናይ ህወሓት መወጮ፤ ናይ ማረትን ካልእን ብግዴታ ኣዋፅኡ እናበልኩም ብደዉና መጥሚጥኩም ክንወፆ ኣብ ዘይንኽክእል ድኽነት ኣዉዲቕኩምና፤ ኣብዛ ዝተወለድናላ ዓድና ክነብር እንተበልና ምንባር ከሊእኩምና” ብምባል ብመረረት ድሕሪ ምግላፆም። ኣብ መወዳእታ ዘረብኦም “ዘዕበኽዎ ከልብስ ጎይትኡ ይነክስ” ክብሉ ብምምሳል ሓሳቦም ምስ ዛዘሙ። ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ብድሙቕ ጣቕዒትን ናይ ድጋፍን ሪኢቶን ብምሃብ  ደገፉ ከም ዝገለፀሎም ተፈሊጡ።