እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንተኸታታሊ ክልተ
መዓልቲ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝቐረበ ኣብ ከተማና
ኣኽረርቲ ኣትዮምና ስለ ዘለዉ ነዚ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ተሰሊፉ ከዉፅኦም ኣለዎ ዝብል ነዚ ዝትግበረሉ ድማ ሕዚ
እዩ ክብሉ ናብቲ ህዝቢ ከም ዘቕረብዎ ተገሊፁ።
ነበርቲ እታ ከተማ ኣብቲ ኣኼባ ንሕና ቅድም ክብል ፀገማት ከም ዘሎ ነጊርናኩምን ጥሪዓናን ክነቕርብን
ፀኒሕና እንተኾነ ግና ክትሰምዑና ኣይከኣልኩምን፤ ሎሚ ንህልዉናኹም
ዝፈታተን ተቓውሞ ምስኮነ ንዓና ብሽም ኣኼባ ክትፅውዑናን ክተሓቱናን የብልኩምን ብምባል
ተቓውሞ ዝተመልኦ ምላሽ ነቶም መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ካድረታት
ወያነ ከም ዝገለፅሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ፤ ነባራይ ከተማ ሽረ
ብሰንኪ ግዕዙይ ኣሰራርሓን ሕፅረት መሰረት ልምዓት ኣብ ፀገም ምህላዉን ዕለታዊ መነባብሩኡ ክመርሕ ዘይከኣለ ምዃኑ
ብተደጋጋሚ ክቐርቦ ዝፀነሐ ጥርዓን ፍታሕ ክግበረሉ ዘይከኣሉ ሕዚ
ብሽም ኣኽረርቲ ኣትዮም ስልጣኖም ከዉሕሱ ንዝገብርዎ ዘለዉ ለይቲ መዓልትን ህዉተታ ህዝቢ ሽረ ከም ዘይቕበሎም ብግልፂ ኣብቲ
መድረኽ ከም ዝነገሮም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።