ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ እቶም ነበርቲ ጣብያ ኣደባይ ብዛዕባ ምኽልካል ሕርሻ
መሬቶም ኣመልኪቶም ብ23 ሓምለ 2005 ዓ/ም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፤ ሶረና እናተባሃለ ዝፅዋዕ ስፍራ መወዕሊ ጥሪትናን ንሕርሻ ዝዉዕል መሬትን
ወሲድኩሞ ቆልዓ ሰበይቲን ዘይዛረቡ እንስሳስን ሕዝና ብምንታይ ክንናበር ግደፉልና ዝብል ብህዝቢ እታ ጣብያ ዝቐረበ ሓሳብ
ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ብ24 ሓምለ 2005 ዓ/ም ንነበርቲ ጣብያ ኣደባይ ቀጠና 3ተን ቀጠና 4ተ
ብምባል፤ ነቲ ህዝቢ በታትኖም ብሓይሊ ኣኪቦም ሓሳባቶምን
መደባቶምን ክፍፅሙ ፈትኖም እኳ እንተነበሩ፤ ግበረ መልሲ ናይቲ ነባራይ ሕብረሰብ ግና ንሕና ንዘቕረብናዮ ሰሚዕኹም ፍታሕ
ክትህቡና ሰለ ዘይከኣልኩም ንሕና እዉን ኣይንሰምዓኩምን ኢሎም ነቲ መደረኽ ረጊፆም ከም ዝወፁ ተፈሊጡ።