Saturday, August 3, 2013

ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግህ ምራ ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ካብ ነባሪ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዝብ ብምጥፍፍኡ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።




ኣብቲ ዞባ ንመሰርሒ መስመር ማይ፤ ኣብ ውሽጢ  እታ ዞባ  ንዝርከብ ፅርጊያ ኣስፋልት ንምግባርን ካልልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምህናፅን ካብ ነባራይ ህዝቢ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ብምጥፍፍኡ ዝነደረ ህዝቢ ብ21 ሓምለ 2005 ዓ.ም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

መላእ ህዝቢ እቲ ዞባ ኣብ ዘካየዶ ሓያል ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ፤ “ኣፍናን ዉልቃዊ ደሌታትናን ገድፍና ዘዋፃእናዮ ገንዘብ ከባቢና ብምልማዕ ተረባሕቲ ንምዃን ድኣ እምበር መሕበጢ ጁባ ሰበ ስልጣን ክኸዉን ኣይኮነን” ዝብል ጭርሖ የቃልሑ ኣብ ዝነብረሉ እዋን፤ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ኣይተ ፍቓዱ ኣለማዮሁ ዝተባሃለ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ነቲ ሰልፊ ብምስንኻል ኣብ ዘስምዖ ዘረባ። “ዘዋፃእኹሞ ገንዘብ ልክዕ ኔሩ እዪ እንተኾነ ኣብ ካልእ ስራሕ መንግስቲ ስለ ዝዋዓለ ቀፃሊ ባጀት ምስ ተመደበልና ክንሰርሖ ኢና ዝብል ምስሉይ ቃል ከም ዘስምዖም ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

እቲ ጉዳይ ገና ብቑዕ ምላሽ ክሳብ ዘይተዋሃቦ እቲ ተቓውሙ ቀፃሊ ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዘረባ ዋና ኣመሓዳሪ ኣይተ ፍቃዱ ኣለማየሁ ዘይዓገቡ ሰልፈኛታት ብድሕሪኡ ወከልቶም ዝኾንዎም ሰለስተ ሽማግለታት ዓዲ ናብ ክልል ምምሕዳር ጥርዓኖም ከስምዑ ዝተገብረ እንትኾን፤ ኣብኡ ከይዶም እዉን ዘዕግብ መልሲ ከም ዘይተዋሃቦም ተፈሊጡ።