Sunday, August 11, 2013

ልዕሊ 50 መንበሪ ኣባይቲ ከተማ ሰለኽለኻ ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን ወያነ ሃንደበት ክፈርስ ብምግባሮም ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሰለኽለኻ ዝርከብ ናይ ልዕሊ 50 ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ መንበሪ ገዝኦም ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን ወያነ ብዶዞራት ይፈርስ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ገዝኦም ዝፈረሶም ዜጋታት ድማ ብዘይመፅለሊ ኣብ ማእኸል በረኻ ተደርብዮም ኣደዳ ዝናብ፤ ቁሪን ፀሓይን ኮይኖም  ከም ዘለው ተፈሊጡ።

   እቶም ክረምቲ ምድሪ ካብ መንበሪ ገዝኦም ተባሪሮም ብዘይዝኾነ መፅለሊ ኣብ ማእኸል ሰጣሕ ሜዳ ተደርብዮም ዘለዉ ወገናት፤ ነቲ ኣብ ልዕልኦም ወሪዱ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክፍታሓሎም ንዝምልከቶም ኣማሓደርቲ ካሕሳ ወይ ከኣ ተለዋጢ መሬት ክወሃቦም ኣብ ዝሓተትሉ፤ ሰማዒ እዝኒ ከም ዝሰኣኑ እቶም ግዳያት ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
  
  ኣብ መወዳእታ እቲ ብቐፃሊ ገዛውቲ እናፍረስካ ዜጋታት ብዘይሓደ መፅለሊ ኣብ ማእኸል በረኻ ደርብኻ መሬት ንሰብ ሃፍቲ ብምሻጥ፤ ዉልቃዊ ጅቦኻ ንምሕባጥ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኣብ መላእ ከተማታት ሃገርና ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብምዃኑ፤ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክሕተት ከም ዝግብኦ ክእላታት ሕጊ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።