Sunday, August 11, 2013

ብህዝቢ ከተማ መቐለ ብመሪሕነት ተቓውሚ ውድብ ሓድነት ተሓሲቡ ዝነበረ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝዓለመ ተቓውሞ ሰልፊ ክቋረፅ ከም ዝኸኣለ ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




ብመሰርት’ቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ  ብ28 ሓምለ 2005 ዓ/ም ብተቓወሚ ወድብ ሓድነት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ሰበ ስልጣን ወያነ ፉሉይ ኩማንዶ ዝበሃሉ ዕጡቛት ብምልኣኽ ክብትንዎ ከም ዝተገብረ ድሕሪ ምግላፅ፤ ነቲ ኣኼባ ክመርሕዎ ተሓሲቦም ዝነበሩ ኢንጅነር ኣርኣያ ምስ ሰለስተ ርእሶም ድማ ተኣስሮም ከም ዝተፈትሑ ተፈሊጡ።

   ነቲ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝዓለመ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ተኣኪቡ ዝነበረ ተቐማጢ ከተማ መቐለ እንተኾነ’ዉን በታኒ ሓይሊ ማለት ፍሉይ ኩማንዶ እናተባሃሉ ዝፅውዑ መገባርያ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ዕጡቛት እናጋፍዑ ብበትሪ እናቐጥቀጡን ብኣፈሙዝ ብረት እናፈራርሑን ከም ዝበተንዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ገሊፁ።