Sunday, August 11, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝወቐዐ ዝናብ ተዋህሊሉ ዝፈሰሉ ጋላርያ ብዘይምህላዉ ኣባይቲ ብዉሕጅ ኣዕለቕሊቑ መንበሪ ዝሰኣነ ህዝቢ ሰልማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተሓቢሩ።




ኣብቲ ብ25 ሓምለ 2005 ዓ.ም ህዝቢ ሽረ-እንዳስላሰ ብፍላይ ከኣ ነበርቲ ቀበሌታት 04 03 ኣብ ዘካየድዎ ህዝባዊ ተቓዉሞ ካብ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ጭርሖታት “ከተማና ቆላሕታ መንግስቲ ኣይረኸበትን፤ መንበሪ ገዛውትና ባሕሪ ተቐይሩ መዕሪፊ ስኢና፤ መንደራትን ፅርጊያታትን ብማይ ኣዕለቕሊቖም ክንኣቱ ክንዉፅእ ኣይከኣልናን፤ ንብረትና ብማይ በስቢሱ፤ ብጣንጡን ሃመማን ህፃዉንቲ ደቂና ጥዕና ተሓሪምዎም፤ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት በብእዋኑ እነዋፅኦ ገንዘብ ኣበይ ይዉዕል ኣሎ? ኣመሓደርቲ ብህይወት ህዝቢ ክሕተቱ ኣለዎም።” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት እናቃልሑ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዘዓለመ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ።  

  ነቶም ሰልፈኛታት ኣኪቡ መልሲ ዝሃበ ሓላፊ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ሽረ ተኽላይ ገብረዝጊኣብሄር ዝተበሃለ ካድረ፤ ብዛዕባ ቅድሚ ሕዚ ዝተዋፀአ ገንዘብ ንዓና ኣይትሓቱናን ከይትሓሙን ከይትሞቱን እንተደሊኹም ገንዘብ ኣዋፂእኹም መንደርኩምን ከተማኹምን ኣዕሪዩ  ነዚ ኣይንገብርን እንተልኩም ግና እቲ ኣብ ገዛኹምን መደርኩምን ዝዓቘረ ማይ ዓሳ ኣራብሕኹም እንተተጠቐምኩምሉ ይሓይሽ ክብል ሕጫጨ ዝተመልኦ ዘይሓላፍነታዊ ምላሽ ከም ዝሃቦም እቲ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

   ካብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ከይወፃእና ብ29 ሓምለ 2005ዓ.ም መናእሰይ እታ ከተማ መገዛእ ተወሊድና ዝዓበናሉ ዓዲና ብሰንኪ ፖሊስ መንበሪ ስኢና ክብሉ ናብ ዞባ ምምሕዳር ጥርዓን ምቕራቦም አፈሊጡ።

  ንሳቶም ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ምክትል ኮማንደር ግደይ ዝተበሃለ በዓል ስልጣን ፖሊስ ባዕሉን ኣባላቱን ብምዉፋር። ብዝኣተናዮን ዝወፃእናዮን እናተኸታተለ ብነፃ ክንቀሳቐስ ኣይከኣልናን ሰላማዊ ናብራ ተሓሪሙና፤ እቲ ዝኸፈአ ከኣ ንዓና ቦዘኔ ዝብል ሽም ኣጠሚቑ ብዘይ ወዓልናዮ ገበን የፀልማናን ህዝቢ ክርሕቐናን ይገብር ብምህላዉ፤ መፍትሒ ይገብረሉ ክብሉ ናብ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ሚኪኤለ ኣብርሃ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ፤ ሰማዒ ኣካል ከም ዘይረኸቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ነቲ ጥርዓን ካብ ዘቕረቡ መናእሰይ ባሻይ ታረቀን ዳኒኤል ኣባተን ዝተበሃሉ ዜጋታት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።