Sunday, August 11, 2013

ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝዓለመ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።




እዞም ብ27 ሓምለ 2005ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮሞ ዋሪ ኣብ ዝተበሃለ ከተማ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ጣልቃ ምእታዉ የቛርፅ፣ ድምፅና ይስማዕን መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ  ንፁሓት ዜጋታት ዝፍፅምዎ ዘለዉ ናይ ምእሳርን ምቓታልን ስጉምቲ ዝኹንን ሓያል ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝካየዱ ካብቲ ስፍራ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
                                           
    ብነበርቲ ከተማ ዋሪ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ሰልፊ ክዓግትዎ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ፤ ሓይሊ ህዝቢ ሰለ ዝበርትዖም ክገድፍዎ ከም ዝተገደዱ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንለይቱ፣ ቀታሊኦም ዘይተፈልጡ 14 ኣባላት ፖሊስ እንትቕተሉ፤ ካብዚኦም እቶም 6 ናይ’ቲ ከተማ መደበኛ ፖሊስ እንትኾኑ እቶም 8 ድማ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ምዃኖም ካብ’ቲ ዝረተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   እቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሊስን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ከተማ ዋሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ  ይካየድ ከም ዘሎ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገርና ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።