ኣብ’ቲ
ብ02 ነሓሰ 2005 ዓ.ም ብተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ፤ መርካቶ ጎተራ ዝተለዓለ
ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝቐንዐ ሓያል ተቓዉሞ፤ ብሓይሊ ኣፈሙዝ ንምብታን ተሃንዲዶም ዝመፁ ኣባላት ፖሊስ በቶም ሰልፈኛታት
ብዝወረዶም ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ካብኣቶም ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተዓቒቦም ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም
ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ’ቶም ብኸቢድ ተጎዲኦም ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ሕክምናዊ ረድኤት
እናተገብረሎም ዝርከቡ ዕሱባት ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ፤ ኣድማሱ ሃይሉ፤ ነባያት ታደሰ፤ መሓመድ
ፋራሕ፤ ፅጌ ታደሰ ካብቶም ብዙሓት ዝተቐጥቀጡ ገሊኦም ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስርዓት ወያነ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣንፃር ነፃነት
ሃይማኖት ዝቐንዐ ኣካይዳ ፆታ ከይፈለየ ዓብዪ ምስ ንኡስ ዜጋታት ሃገርና ዘቖጥዕ ዘሎ ኮይኑ። ብፍላይ ከዓ ተኸተልቲ ሃይማኖት
እስልምና መራሕቶም ብዘይ ሓደ ገበን ብምእሳሮም ንኽፍትሑ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ኣብ ኦሮሞ ዋሪ ኣብ
ዝተበሃለት ከተማ ብሓይሊ ከሰናኽሉ ዝፈተኑ 14 ፖሊስ ምቕታሎም ኣብዚ ዝሓለፈ ቕንያት ብዜና ምግላፅና ይዝከር።
ካብቲ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ
ከይወፃእና፤ ኣብ ነበርቲ ከተማ ደሴ ፀረ ህዝቢ መንግስቲ ኢህወዴግ ይኽተሎ ብዘሎ ዓፋኒ ኣካይዳ፤ ኣብ ኣብያተ መስጊድ ፀሎት
ከይንገብር ኣኽረርቲ እናበለ ኣባላት ፖሊስ ኣዋፊሩ ይጭፍጭፈና ስለ ዘሎ ኣብ ዉሽጢ መንበሪ ገዛና ፀሎት ክንገብር ተገዲድና
ኣለና ብምባል መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።