Sunday, August 11, 2013

ብተቃዉሞ ህዝቢ ዓቕሉ ፀቢብዎ ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ሑመራ ንተወከልትን መራሕትን ክልትኡ ሃይምኖት ኣኼባ ኣካይዱ።




ኣብቲ ብዞባ ኣመሓደርቲ ተመሪሑ ብ26 ሓምለ 2005 ዓ.ም ዝተኻየደ ኣኼባ፤ ብወገን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ካብ ዝቐረበ ሓሳብ “መንግስቲ ብሕገ መንግስቲ ተቐይዱ ዝኸይድ ኣይኮነን፤ ሃይማኖትን መንግስትን ዝተፈላለዩ ምዃኖም እናተፈልጠ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ምሉእ ብምሉእ ኢዶም የእትዉ ኣለዉ፤ ነፃነት ሃይማኖት የለን፤ መራሕቲ ሃይማኖትና ባዕልና ከይንመርፅ ተኣጊድና መንግስቲ ባዕሉ ብዝሓረዮ ሰብ ክንምራሕ ይገብር ኣሎ። እዚ ከኣ ብሕጊ ሃይማኖት ዉጉዝ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ኢዱን እግሩን ይስሓብ ክብሉ ብትሪ ከም ዝነቐፍዎም ተፈሊጡ።

ኣስዒቦም እቶም ተወከልቲን መራሓቲ ሃይማኖት ሙስሊም፤“መንግስቲ ንተኽታሊ ሃይማኖትና ኣሽማት እናጠመቐ የነኣእሶ እዩ ዘሎ፤ ጭሕሙ ንዘንወሐ ቢላደን፤ ስሪኡ ንዘሕፀረ ኣክራሪ፤ ተኣኪቡ ንዝኸደ ፀረ መንግትን ሃገርን እናበለ ኣብ ምፅልእላእ ተፀሚዱ ኣብ ዝርከብሉ ብኸይመይ ኣብ ምርድዳእ ክብፃሕ ይከኣል። እቲ ዘሕዝን ድማ ኣብ ሃገርና እቲ ዝዓበየ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መስጊድ ኣንዋር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌዴራል ፖሊስ ምዃኑ ንመንግስትን ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ዘቀራርብ ኣይኮነን” ክብሉ ሓሳቦም ከም ዘቕረቡን እቲ ርክብ ብዘይምርድዳእ ከም ዝተበተነን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።