ብሰንኪ
ዘይፍትሓዊ ምኽፋል ግብሪ ዘማረሩ ወገናት ብ5 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ናብ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ሚኪኤለ
ኣብርሃ ጥርዓኖም ንምቕራብ ዝኸዱ እንትኾኑ፤ ነቲ መረረት ህዝቢ ክምልስ ዓቕሚ ይኹን ቅኑዕ ሕሊና ዘይብሉ ኣማሓዳሪ፤ ንጉዳዮም
ብኣቓልቦ ክሰምዕ ከም ዘይካኣለን ዝኾነ ፍታሕ ከም ዘይገበረሎምን ካብ ግዳያት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብቶም ናብ ቤት ፅሕፈት እቲ ዞባ ዘቕንዑ ብርክት ዝበሉ ግዳያት ሓደ
ቀሺ ግደይ ዝተባሃሉ ወናኒ ሆቴል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ኣነ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብሰንኪ ትኽተልዎ ዘለኹም ዘይሓላፍነታውን
ዘይፍትሓውን ምሕደራን ምኽፋል ግብርን ዓደይ ገዲፈ ክሰደድ ይግደድ ስለ ዘለኹ፤ ኩሉ ህዝቢ ነዞም ንበይኖም ጥራሕ ዝሓስቡ
ኣማሓደርቲ ሓደ ፍታሕ ክገብረሎም እንተዘይ ኪኢሉ ዓዲ ጥራሓ ክትተርፍ ምዃና ዝረአ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ካብዞም ኣመሓደርቲ እዚኦም ድሕሪ
ሕዚ እንፅበዮ ነገር የለን። ኩልኻ ህዝቢ ንዓይ ሪኢኻ ተኸተል” ክብሉ ዘለዎም ጭንቀት ዝወለዶ ስምዒት ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።