Thursday, August 8, 2013

ኣብ ኣከፋፍላ ግብሪ ኣድልዎ ይፍፀም’ሎ ክብሉ ነጋዶ ከተማ ሽረ መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።




ብመሰረት ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝርከቡ ግብሪ ዘኽፍሉ ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ነጋዶ  እታ ከተማ  ኣድልዎ ይፍፅሙን ብግበረለይ ክገብረልካ ይሰርሑ ምህላዎምን ድሕሪ ምግላፅ። ምስ’ቶም ሰራሕተኛታት  ዝተቐራረቡን ጉቦ ንዝሃቡን ውሑድ ገንዘብ እንትኸፍሉ ነቶም ምስኣቶም ብእንካን ሃባን ምቅራርብ ዘይብሎም ድማ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጣን ግብሪ ስለ ዘኽፍልዎ ኣብ ክሳራ ይወድቑን ትካሎም ክዓፅዉ ይግደዱን ከም ዘለዉ  ተፈሊጡ።

    እቶም  ልዕሊ ዓቕሞም  ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ብሽም ግብሪ ክኸፍሉ ዝግደዱ ዘለዉ ነጋዶ ዝህብዎ ዘለዉ  ምላሽ፤ ንሕና ምስ ዓቕሚ ኣታዊና ዝመጣጠን እምበር ልዕሊ መጠን ክንከፍል ዓቕሚ የብልናን እንተደሊኹም ንብረትናን ገዛናን ሸይጥኩም  ውሰዱ  ካብኡ ሓሊፍና እንገብሮ ነገር የለን ብምባል መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

 በቲ ግብረ መልሲ  ናይቶም ነጋዶን ነቲ ካብ ህዝቢ ዝለዓል ተቓውሞ ዘስግኦም እኒ በዓል ሙልጌታ ተኽላይ ዝበሃሉ ዝርከብዎም መኽፈልቲ ግብሪ እታ ከተማ  ሓሳቦም ብምቕያር፤ ደሓን ዝኣመንኩሙሉ ክፈሉና  ክብሉ ምዝራቦም ክሳብ ክንደየናይ ቅንዕና ዘየብሎም ከም ዝኾኑ ዘመላኽት’ዩ ክብሉ  ነበርቲ ሪኢቶም ምግላፆም ተፈሊጡ።

ኣብ ርእሲ እዙይ ነበርቲ ከተማታት ሽረን ኣኽሱምን ብሕፅረት ኔት ወርክን መብራህቲን ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ምምራሕ ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይንዎም ንከቢድ ፀገም ምቅለዖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣብዘን ዝተጠቐሳ ከተማታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ምዃኑ  ገሊፁ።