እቶም
ኣብ ከተማ ሽረ ዝረከቡ ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ነበር ብሰበ
ስልጣን ወያነ ተወዲብኩም ስርሑ ጥራይ ማሽን ወርቂ ክነምፅኣልኩም ኢና ምስ ተባሃሉ፤ ኣብ ሸውዓተ ማሕበራት ተወዲቦም ብዙሕ
ገንዘብን ፋይናንሳዊን ጉልበትን ወፃኢ ብምግባር ስራሕ ምስ ጀመሩ እቲ ዝተኣተወ መብፅዓ ተጠሊሙ እንተደሊኹም ብገንዘብኩም
ተለቂሕኹም ዓዲጉ ብመንግስቲ ማሽን ኣይወሃበኩምን ስለ ዝተበሃሉ፤ ብተወከልቶም ኣቢሎም ናብ ዞባን ክልልን ዝተኣተወልና መብፅዓ
ንምንታይ ይቕየር ንሓና ጉድኣት ኲናት ኢና በየናይ ዓቕምናንን ኣካልናን ክንሰርሖ ክብሉ ንዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ሰለ
ዘይረኸብሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ጠላም ስርዓት ዝነበሮም ፅልኣት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዛይዱ ከም ዝርከብ‘ቲ ተረኸበ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
ተወሳኺ
እቶም ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ነበር ነቲ ተኣትዩሎም ዝነበረ መብፅዓ ብዝምከቶም ኣካላት ተረእዩ ተግባራዊ ኮይኑ
ንኽምለሰሎም ካብ ሸውዓትኤን ማሕበራት ተመሪፆም ካብ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት፦
ü
ኣይተኣርኣያ ገረኺዳን ካብ ቀዳማይ ማሕበር ምእራይ ወርቂ
ü
ኣይተ ኪዱ ወለገብርኤል ካብ ካልኣይ ማሕበር ምእራይ ወርቂ
ü
ኣይተ ልጃይንየ ካብ ሳልሳይ ማሕበር ምእራይ ወርቂ
ü
ኣይተ ጃምቦ ኣብራሃለይ ራባዓይ ማሕበር ምእራይ ወርቂ እንትኾኑ፤ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ
ዞባን ክልልን ብምኻድ ላዕልን ታሕትን ኢልና ሰሪሕና ክንነበር ሰለ ዘይንኽእል መንግስቲ
ብመሰረት ዝኣተወልና መብፅዓ ይሓግዘና ክብሉ ብምረት ጥርዓኖም ኣብ ምቕራብ
ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።