Saturday, August 3, 2013

ብግፍዒ ኣባላት ፖሊስ ስርዓት ወያነ ዝተማረረ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕልኦም ዘየዳግም ስጉምቱ ይወስድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።




ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ብ20 ሓምለ 2005 ዓ.ም ቀታሊኦም ዘይተፈለጠ ክልተ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ብካራ ተወጊኦም ምማቶም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ቀታሊኦም ኣይፈለጥ ድኣ እምበር ድሮ   ጅምዓት ተቓዉሞ  ናይ ሞስሊም ሕብረተ-ሰብ   ዝተካይደሉ ስለ ዝነበረ እቶም ፖሊስ ዝተቐተልሉ ድማ ናብ ቀዳም 20 ሓምለ ዘዉግሕ ለይቲ ብምዃኑ ምስኡ ዝተታሓሓዘ ከምዝኸውን  ገሊፁ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ ሃገርናን መዲና ኣፍሪካን ምዃና ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብዝኽተሎ ዘሎ ፀረ ህዝቢን ሃገርን ኣካይዳ ኣብ ዕግርግርን ህዉከትን ተሸሚማ ነባሪ ሕብረሰብ ሰላምን ነፃነትን ተሓርምዎ ለይትን መዓልትን ብፌዴራል ፖሊስን ኣባላት ድህንነትን ሕድ ሕድ ምንቅስቓሱ ኣብ ትሕቲ ፅዑቕ ክትትል ከም ዝርከብ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ብ20 ሓምለ/2005 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ  ዋታ ኣለቡ ብሄር ኩናማን  እንደሻዉ ታፈሰን ዝተበሃሉ ኣባላት ፌዴራል ተወሲዱ ዘሎ ዘየዳግም ስጉምቲ ምስቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በብግዚኡ  ኣንፃር እቲ ስርዓት ምስ ዝከይድ ዘሎ ተቓውም ከምዝተሓሓዝ ገለ ገለ ወገናት ይዛረብሉ ከምዘለው እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።