ኣብ
ከተማ ባህርዳር ብ20 ሓምለ 2005 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብክፍሊ ኦዲት ተሰርሑ ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ንግድብ
ኣባይ መስርሒ ተባሂሉ ብስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣብ ኣጠቓቕምኡ 8 ሚልዮን ብር ጉድለት
ከም ዘለዎ ምስ ኣቕረበ፤ ነቲ ጉድለት ከም ዘለዎ ሰርሑ ዘቕረበ በዓል ሞያ ኦዲት ጉድለት እዩ ከይትብል ዝብል መምርሒ ካብ ሰበ
ስልጣን እቲ ስርዓት ከም ዝተዋሃቦ ተፈሊጡ።
ኣስዒቡ
እቲ ካብ ዉሽጢ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ፤ ነቲ ኦዲት ዝገበረ ሰብ ኣይተ ኣለሙ ታፈስ ኣብዚ ንኣባይ ተባሂሉ ዝተዋፀአ ገንዘብ
ኦዲት ክትገብር ተረክብካዮ ዘለኻ ሓላፍነት ብዘለካ ተኣማንነት ምዃኑ ተረድእኻ፤ ዋላ ጉድለት ይሃልዎ ጉድለት ከም ዘይብሉ ጌርካ
ስርሓዮ ምኽንያቱ ህዝቢ ገንዘቡ ይጠፋፋእ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ገንዘብ ከዋፅእስ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓመፅ ከልዕል ስለ
ዝኽእል በዚ ክንሓተካ ምዃና ፈልጥካ ዝተባሃካዮ ግበር ዝብል ትእዛዝ ከም ዝተነገሮ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እንተኾነ ግና ኣይተ ኣለሙ ታፈሰ ኣነ በዓል ሞያ ስለ ዝኾንኩ ብዝሰርሖ
ስራሕ ፅባሕ ንጎሆ ህዝቢ ክሓተኒ ስለ ዝኾነ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ኣይሳተፍን ብምባሉ፤ ንሱ ጠጠዉ ኣቢሉ ኣብ
ክንድኡ ካልእ ዕሱብ እቲ ስርዓት ተመሪፁ ዝተዛበዐ ኦዲት ፀብፃብ ከቕርብ ተመዲቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።