Monday, August 5, 2013

ብሰንኪ ስራሕ ስእነት ቁፅሪ ናብ ሰደት ዘምርሑ ዘለዉ ዜጋታትና ካብ እዋን ናብ እዋን ይወስኹ ምህላዎም ተፈሊጡ።




ካብቶም ብዝተፈላልዩ ኣንፈታት ብሰንኪ ስራሕ ስእነት  ናብ ሰደት ዘምርሑ ዘለዉ ዜጋታትና፤ ብ24 ሓምለ 2005 ዓ/ም  ናብ ዓዲ  ዓረብ ንምኻድ ብክልል ዓፋር  ብቁፅሪ ታርጋ  62597 ዝኾነት መኪና ተፃዒኖም ብቴንዳ ተሸፊኖም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ወገናት፤ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰዓት መንገዲ  ብሰንኪ ሙቐትን ስእነት ኣየርን ዓቅሎም ስለ ዝፀበቦም ነቲ ቴንዳ ኣብ ዝቐልዑሉ እዋን  ክትሓዙ  ከም ዝኸኣሉ ካብቲ ቦታ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ።

ንሳቶም  ካብ ከተማ ሽረን መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ቤተሰቦም ጥሪቶም ሸይጦም ንደለልትን መጓዓዝያን ዝኽወን ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዝነበሩ ተምሃሮ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ በዝሖም ድማ ልዕሊ 45 ከም ዝኾኑን  ካብታ ዝተትሓዙላ ዕለት ጀሚሮም ድማ  ኣብ  ከተማ ማይ-ጨው ኣብ ዝርከብ  ኣስካሕካሒ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም    ኣብ ስቓይ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።