ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ኣብ ሰገር ድልድል ተከዘ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ
ሓንቲ መኪና ኣብ ዝተገልበጠትሉ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጣ
ምስኣ ተሳፊሩ ዝነበረ ፍፁም ዝተባሃለ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ድማ ብኽልተ ጥይት ኣብ ክሳዱ ተወቒዑ ሞይቱ ከም ዝተረኸበን ዛጊድ ነቲ ዝተፈፀመ
ሓደጋ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከም ዘየለ እቲ ካብቲ ቦታ ዝተረዝኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ዝተቐተለ ፌደራል ፖሊስ ስርዓት ወያነ ዓጥቕዎ ዝነበረ ዕጥቁ
እንተኾነ’ውን በቶም ቀተልቲ ተመንዚዑ ዝተወሰደ እንትኾን፤ እቲ ኣብ ልዕልኡ ተወሲዱ ዘሎ መጥቓዕቲ ድማ ብምሕደራ ወያነ-ኢህወደግ
ዝተማረሩ ዜጋታት ዝፈፀምዎ ከይኮነ ኣይተርፍን ክብሉ ገለ ተዓዘብቲ
ሪኢቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ የረድእ።
ኣብ ዝተፈላላዩ ከባባታት ሃገርና ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ
ህዝቢ ንምግፋዕ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን፤ ብህዝቢ ናይ ቅንፀላ
ስጉምትታት ብተደጋጋሚ ይወሰዶሎም ከም ዘሎ ክንገልፅ ምፅናሕና ዝዝከር እዩ።