ኣብ
ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ዝነብር ህዝቢ ብዘካይዶ ዘሎ ተኸታታሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ
ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ተቐባልነት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ባይታ ይዘብጥ ብምሕላው፤ ንቃልስን ስምዒትን ህዝቢ ኣንፈቱ ንጥምዛዝ ኣብታ ከተማ ተማሂሮም ስራሕ
ብዘይምርካቦም ምስ ስድርኦም ተፀጊዖም ሰርሖም ንዝነብሩ መናእሰይ መገልገልቲ ኣኽረርቲ ትኾኑ ኣለኹም ብዝብል ምስሉይ ኣበሃህላ፤
ካብ 23 ሓምለ 2005 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ኩርኩር እቲ ስርዓት ዝኾነ ኣዛዚ ፖሊስ ኮማንደር ደረጀ ኣሰፋ ኣባላቱ
ኣዋፊሩ እናሓፈሰ ይኣስሮም ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።