Monday, August 5, 2013

ዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ሸራሮ ኮይኑ ነቲ ስርዓት ከገልግል ዝፀንሐ ጥላሁን በርሀ ካብታ ከተማ ክቕየር ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ነባራይ ህዝቢ ለዉጢ ኣብ ስርዓት እምበር ኣብ ምቅይያር ሰባት ኣይኮነን ከም ዝበለ ተፈሊጡ።




ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ ዝነብሮ እምነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቆልቆለ መፂኡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ተፀንቂቑ ኣንፃር እቲ ስርዓት ብሓደ ድምፂ ጠጠዉ ብምባሉ ንህልዉና ዕድመ ስልጣኖም ዘስገኦም ጉጅለ መራሕቲ ኢህወዴግ፤ ኣብታ ከተማ ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ጥላሁን በርሀ ናብ ካልእ ቦታ ክቕየር ተወዲእሉ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣስዒብ እቲ ሓበሬታ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ንዘለዎ ክቱር ፅልኣት “ጥላሁን ምእንቲ ህዝቢ ዘይኮንካ ኢድካ ተቖሪፅካ ብሕማቕ ስነ-ምግባር ከም ዝተቖረፀት ኢና ንሓስበካ። ንስኻ ዉፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮንካ ዉፅኢት ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢኻ። ብመሰረቱ ቀያሕትን ፀለምትን ደቂ ህዝቢ ዝወደቕሉ ቃልሲ መላገፂ ካብ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓደ ስለ ዝኾንካ ይትረፍ ኢድካ እግርኻ እዉን ክንቆርፀካ ኢና” ዝብል ፅሑፍ ብ24 ሓምለ 2005 ዓ.ም ኣብ ማዕፆ መንበሪ ገዛ ጥላሁን ከም ዝለጠፍሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣  

ጥላሁን ካብ ቅድሚ ዓይኒና ምእላዩ ዘሕጉሰና እኳ እንተኾነ ዉልቀ ሰበ ስልጣን ብምቅይያር ዝመፅእ ለዉጢ የለን ዝበለ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ኣብታ ከተማ ፍታሕ ስኢኑ ዘሎ ፀገም ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኢኮኖምያዊ ቅልዉላዉን ዉፅኢት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኮይኑ፤ ዋና ኣመሓዳሪ ጥላሁን ክኽተሎ ዝፀንሐ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ድማ ነፀብራቕ ናይቲ ስርዓት ምዃኑ ነባሪ ሕብረተሰብ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።