እቶም ኣብ ከተማ ኣላማጣ
ዝተፈላልዩ ወልቀ ትካላት ተኺሎም ንነብሶምን ንህዝቢ እቲ ከባባን ናይ ስራሕ ዕድል ከፊቶም ክንቀሳቐሱ ዝፁንሑ ወገናት፤ መንግስቲ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ልዕሉ
ግብሪ ክኽፍሉ የገድዶም ስለዘሎ ኣብ ከቢድ ክሳራ ወዲቖም
መረረቶም የስምዑ ምህላዎምን፤ ካብኣቶም ኣይተ ሃይሉ ኮቤ ወናኒ ትካል
ሸቐጣ ሸቀጥ፤ ኣይተ ኑርሑሰን ወናኒ መሸጣ ጨርቃ ጨርቂን ስፌትን ከምኡ’ዉን ወ/ሮ ብርትኳን ጎይተኦም ወናኒት
ሆቴልን ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ።
እቶም ሰብ
ትካላት ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተሰሊዑ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ልዑል ግብሪ።
ኣብ ኣከፋፋላ ምምሕያሽ ንኽግበረሎም ብ21 ሓምለ 2005 ዓ/ም ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ጥርዓን ዋላኳ እንተቕረቡ ሰማዒ ብምስኣኖም
ነቲ ብከቢድ ፃዕሪ ዝተኸልዎ ትካላቶም ግቡእ ፍረ ከይረኸብሉ ክዓፅውዎ ይግደዱ ብምህላዎም እቶም ኣብቲ ውሽጢ ክሰርሑ ዝፀንሑ
ሰራሕተኛታት ንስራሕ ስእነት ይቃልዑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።