Friday, August 2, 2013

ኣብ ዶብ ኢትዮ- ሱዳን ሕርሻ መሬት ዝመበገሲኡ ግጭት ተፈጢሩ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፤ እቲ ኣብ ወሰን ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ከባቢ ዓላው ፉሉይ ሽሙ ግድማ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ  ተበጊሱ ዘሎ ግጭት  ጠንቁ ናይ ሕርሻ መሬት ምዃኑን ክሳብ ሕዚ ድማ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ከም ዘይተረኸበሉ ንፍላጥ ተኻኢሉ።

   ኣብ መንጉ ናይ ክልትኤን ሃገራት ዶብ ብሰንኪ ናይ ሕርሻ መሬት ኣብቲ ከባቢ ብዝነብሩ ሓረስቶት ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ሕዚ ዝተጀምረ ዘይኮነስ መቐፀልታ ናይቲ ብተደጋጋሚ  ክረአ ዝፀነሐ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፤ ኣብ ሰበ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ንህዝብን ሃገርን ብዘርብሕ መሰረታዊ ፍታሕ ክገብሩሉ እናተገብአ ንፖለቲካ ረብሓታቱ ክብል መሬት ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ሱዳን ኣሕሊፉ ክህብ ብምፅንሑ  ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ግምት ዘይእተወ ኣሰራርሓ ብምኽታሉ  እቲ ግጭት ተጋዲዱ ክቕፅል ጠንቂ ይኸዉን ከም ዘሎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

    ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ልዕል 1600 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ካብ ሰሜን ክሳብ ምዕራብ ወሰናስን ዶብ ንውሽጢ  ካብ 40 ክሳብ 60 ኪሎሜትር ሰፊሕ ልኡላዊ መሬት ሃገርና ንናይ ሓደ ጉጅለ ረብሓ ክብሉ ንሱዳን ኣሕሊፎም ብምሃቦም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቖጢዑ ከምዘሎ ይፍለጥ።