ኣብዚ
ዝዛዘም ዘሎ 2005 ዓ/ም ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ
ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ትምህርቶም ዛዚሞሞ ተመሪቖም ዝወፁ ተማሃሮ ብሃገር ደረጃ 89 ሽሕ እንትኾኑ፤ ድሕሪ
ምምራቖም ግና ነናብ መነብሪ ከባቢኦም ብምኻድ ብዘይ ስራሕ ደው
ብምባሎም፤ ኣብ ጭንቕንቕ ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ዝበፅሓና
ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቶም ምሩቛት ተማሃሮ ብዘይ ስራሕ ደው ብምባሎም ናይ ሞራል ውድቀት ሰለ ዘጋጠሞም፤ ናይ ስራሕ ዕድል ክኽፈተሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ባዕልኹም ስራሕ
ፍጠሩ ዝብል ምላሽ ከም ዝተወሃቦም ተፈሊጡ።
ድሕሪ
ብዙሕ ድኻምን ብናይ ቤተሰቦም ፋይናንሳዊ ዓቕሚን ንዓመታት
ተማሂሮም ተመሊሶም ሸኽሚ ስድራን ሃገርን ምዃኖም ንባዕሎም ጥራይ ዘይኮነ ንዝኾነ ተዓዛቢ ወገን ዘሕዝን ተግባር ኮይኑ ብምህላዉ
ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝፀንሐ ሓያል ፅልኣት ኣብ ዝለዓል ጠርዙ
ክበፅሕ ጌርዎ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝርከቡ ተማሃሮ
ዝምገብዎ መግቢ ፅሬቱ ዘይሓለወ ብምዃኑን ፀገም ማይ ብምህላዉን ንዝተፈላለዩ ተላባዕቲ ሕማማት ይቃልዑ ከም ዘለዉ ገሊፆም።
ኣስዒቦም እቶም ተማሃሮ፤ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ምሕደራ ኣብ ልዕሊ
ተማሃሮ ተገዳስነት ስለ ዘይብሉ፤ ጥዕንኡ ተሓልዩ ዉፅኢታዊ ተማሃራይ ንኽፈሪ ዘይኮነስ ብኣንፃሩ ተማሃራይ ብጉድለት ምሕድራ ክሰናኸልን ኣብ ጥርዓናት ክዉዕልን
ዘግብር መስርሕ ካብ እንዳ ምግብና ጀሚሮም ብምዝርጋሕ ኣብ መሰናኽል ፀሚደሞ ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም።