እቶም ኣብ ከባቢ ዓዲ ጎሹ ዝነብሩ ዜጋታትና ንመራባሕ ጥሪቶም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ መሬቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣማሓደርቲ
ስርዓት ወያነ ሰልጣኖም ተጠቒሞም ነቲ ሰፊሕ
ከባቢ ብትርኳላታ ብምሕፃር ከም ዝኸልከልዎም ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ እቶም ነበርቲ ብወገኖም ነቲ ዝተመንጠልዎ መሬቶም
ንኽምለሰሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ ኣወንታዊ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
ከም ዝገለፆ እቶም ዜጋታት መሬቶም ብሕጊ ንኽምለሰሎም ብ20 ሓምለ 2005
ዓ/ም ዘቕረብዎ ጥርዓን ክኾኖሎም ስለ ዘይከኣለ ተሓባቢሮም ነቲ
መሬቶም ተሓፂሩሉ ዝነበረ ልዕሊ 200 ዝኸውን ተተካሊ ትርኳላታ ሓፂን በናቒሮም ብምድርባይ ጥሪቶም ኣብ ዝለመደኦ ቦታ ኣቴን
ክዉዕላ ዝገበሩ እንትኾኑ። ነዚ ዝሰምዑ ኣማሓደርቲን ፀጥታን እቲ ከባቢ ከኣ ኣባላት ፖሊስ ብምልኣኻ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ብሓይሊ
ጎነፅ ክብትንዎ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ኣብ መንጉኦም ዓብዪ ዕግርግርን ህዉከትን ብምፍጣሩ በዚ ድማ 80 ዝኣኽሉ ሰባት ከም
ዝኣሰሩ። ካብዚኦም ድማ 54 ፈቲሖም እንትሰድዎም ነቶም 26 ግና
ኣብ ከተማ ዓዲ ጎሹ ኣብ ዝርከብ ቤተ ማእሰርቲ ዳጒኖም
የሳቕይዎም ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ካብቶም
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ጎሹ ተዳጒኖም ክሳቐዩ ዝፅንሑ
ዜጋታትና ገለ ንምጥቃስ።
Ø
ኣይተ ገብረዋህድ ገበረመስቀል
Ø
ኣይተ ሽሻይ ለገሰ
Ø
ሃለቃ ኪዳነማርያም
Ø
ኣይተ መኮነነ ኣሰፋ
Ø
ሃለቃ መብራህቶም
Ø
ኣይተ በላይ ገበረሂወት
Ø
ኣይተ መለስ ሓድጉ ዝርከብዎም እንትኾኑ ካብቶም ኣብ ዓዲ ጎሹ ብፖሊስ ተኣሲሮም ክሳቐዩ ዝፀንሑ ክሳብ
ሕዚ 20 እንትፍትሑ። እቶም ዝተረፉ 6 ሰባት ግና ነቲ ኩሉ ተቓዉሞ መራሕቱ ንስኹም ኢኹም ብዝብል ብዘስካሕኽሕ ኣሲሮም
እናሳቐይዎም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣብሪሁ።