ኣብ
ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ብርሃን ንመህነፂ ግድብ ኣባይ ክዉዕል ተሓሲቡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ተስሓቢት መኪና ተፃዒኑ ዝነበረ ነዳዲ፤
ብ5 ነሓሰ 2005 ዓም ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ደሳለ ኣበበ ምስቲ መራሒ መኪና ብምሽራኽ ኣስታት ዓሰርተ በርሚል
ዝኽወን ነዳዲ ኣብ ምርጋፍ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ህዝቢ ንፖሊስ ሓበሬታ ምስሃበ እቲ ከንቲባ ከይተሓዝ ካብቲ ከባቢ ሓዲሙ ከም ዝጠፍአ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ነዳዲ ዝፀዓነት ብቑፅሪ ታርጋ 04535
እትፍለጥ መኪና መራሒ መኪና ኣይተ ተኣምራት ጌታነህ ሒዝዋ ከም ዝኸደን፤ ነቲ ኣማሓዳሪ’ዉን ካብቲ
ከባቢ ክስወር ከም ዝገበረ ዝገለፁ ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን።
እዚ ኩሉ ገበን እናተፈፀመ ብወገን ፖሊስ እታ ከተማ ድማ ብህዝቢ
ተሓቢርዎም ክሕዝዎ እናኸኣሉ። እናፈለጡ ከም ዘይፈለጡ ስቕታ
ምምራፆም ንህዝቢ‘ታ ከተማ ዘቖጠዐ ተግባር ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ብሽም ግድብ ኣባይ እናተብሃለ ካብ ደገ ይኹን ካብ ውሽጢ ሃገር ዝጓዓዓዝ ንብረት፤ ብሰበ ስልጣን ወያነ
ብቐፃሊ ክወረር ከም ዝፀንሐን ዘሎን፤ ብወገን ህዝቢ ድማ ነዚ ዘሓላፍነታዊ ተግባር እናኾነነ ትዕዝብቱ ኣብ ዝተፈላለዩ
ኣጋጣሚታት ክገልፅ ምፅንሑ ይዝከር።