ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ብህዝቢ ናዕዴር ዓዴት ፍሉይ ሽሙ ጅር ብ 2000 ዓ/ም ንመዘርግሒ መስመር ኤሌክትሪክ
ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ኣስታት 101 ሚልዮን ብር ከምስሉ ኣብቲ ዓመት ዓንድታት ምትካል ጀሚሮም ብብዙሕ ከይቀፀሉ ደው
ሰለ ዘበለዎ ነባራይ ህዝቢ ገንዘብና ይመለሰልና ብምባል ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተፍሊጡ።
እቲ ብ4 ነሓሰ 2005 ዓ/ም ብህዝቢ ናዕዴር ዓዴት ዝተኻየደ
ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዕላምኡ “ገንዘብና ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ሽድሽተ ዓመታት ሓሊፍዎ ሕዚ ዘዋፃእናዮ ገንዘብና ይመለስልና” ዝብል
እዋናዊ ሕቶ ከም ዝነበረን፣ ምላሽ ኣማሓደርቲ ድማ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣማሓደርቲ ሕተትዎም እንተ ዘይኮይኑ ንሕና እንፈልጦ
የብልናን ዝብል ናይ ሕጫጨ ግብረ መልሲ ከም ዝሃብዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ኣማሓደርቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝውውር እንተካይዱ ነቲ
ሒዞሞ ዝነበረ ውጥን ስራሕ ዘርኢ ሰነድ ምርኽኻብ ከይገብሩ ደሚሲሶም ከም ዝኸዱ ዘመላኽት ኮይኑ፤ እዚ ድማ ካብ ሓደ ህዝቢ
የማሓድር’የ ዝብል ስርዓት ዘይትፅበዮ ተግባር‘ዩ ክብል ህዝቢ እቲ ወረዳ ኣብ’ቶም ሰበ ስልጣን ዘለዎ ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም
ዝርከብ ተፈሊጡ።