Thursday, August 8, 2013

ብኣገዛዝኣ ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝተማረሩ ዜጋታት ኣብ ጎኒ ዴምህት ኮይኖም ንምቅላስ ዝስለፉ ቁፅሪ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።





እቶም ካብ መላእ  ሃገርና ኢትዮጵያ  ካብ ዝርከቡ ብሄር ብሄረ ሰባት ናብ ዴ.ም.ህ.ት ዝተፀንበሩ ዜጋታት  ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ብርኪ ሕብረሰብ ክነጥፉ ዝፀንሑ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ ብዝኽተሎ ዘሎ ግዕዙይ ኣካይዳ ሰሪሖም መነባብርኦም ክመርሑ  ብዘይምኻሎምን  እቲ ስርዓት ሰላማዊ መንገዲ ገዲፉ ብኣፈሙዝ ሃገር ይገዝእ ንዘሎ  በቲ ንሱ ዝኣምነሉ ገጢሞም ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሱሩ ንምእላይ ኣብ ጎኒ  ዉድብና ዴምህት ዝስለፉ ዘለዉ ወገናት ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብዘተፈላለየ ኣንፈታት ዝኣትዉ ከይሓወሰካ  ኣብዚ ቅንያት ብሓደ ኣንፈት ጥራይ  ናብ  ዴምህት ብርክት ዝበሉ ኣትዮም ይርከቡ።




 ካብኣቶም ንምጥቃስ፦
1.    ሓጎስ ዘርአስ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ሰላም
2.    ፀሃየ ታፈሰ  ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ዓዲ ጋባ
3.    ኣማኒኤል ግደይ ዞባ ሰ/ምዕ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ተለዖም
4.    ኣብርሃ ባሻ ኣበራ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ ጣብያ ዓዲ ጎሹ
5.    ተወለደ ኪሮስ ዞባ ማእኸላይ ወረዳ ወርዒ ለኸ ጣብያ ማእከል
6.    በረኸት ታፈረ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጣብያ ደጓዓለ
7.    ፋንታሁን ገ/ሚካኤል ዞባ ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ ጣብያ ዳንሻ
8.    ባቤ ደብሴ   ዞባ ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ ጣብያ ዳንሻ
9.    ሃፍቶም ፀጋይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ዛላምበሳ
10.  ጠዓመ በርሀ ዞባ ማእኸላይ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ጣብያ ሙሴ
11.  ኪዳነማያም ተጠምቀ ዞባ ማእኸላይ ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ ጣብያ ድምብላ
12.  ሰይፉ ኣልሙ ክልል ደቡብ ወረዳ ገና
13.  ኣታኽልቲ ኣክሊሉ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ፀገዴ ጣብያ ዳንሻ (መኮዞ)
14.  ጉዕሽ ታፈረ ዞባ ሰ/ምዕ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ፀፀር (ልጅ)
15.  ቢንያም በርሀ ዞባ ማእኸላይ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ጣብያ ሰላም
16.  ተወልደ ሓዱሽ ዞባ ደቡብ ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ጣብያ
17.  ተኽላይ ደስታ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ፀፀር
18.  መለስ በርሀ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ሰቲት ሑሞራ ቀበሌ 02
19.  ኣታኽልቲ ዘርኡ ዞባ ማእኸላይ ወረዳ ወርዒ ለኸ ጣብያ ኣዝመራ
20.  ተማመን ባዝና ክልል ኦሮሞ ዞባ ጂማ ወረዳ ማና (ወተሃደር ወያነ ዝነበረ)
21.   ሚኪኤለ ተሰፋሚካኤል ዞባ ማእኸላይ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይወይኒ
22.  ሕጉስ ዞባ ማእኸላይ ወረዳ ላዕላይ ማይ-ጨዉ ጣብያ ማይ-ወይኒ
23.  ደመቀ ኣታሉ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ውረዳ ደብናብ ቀበሌ ኣጊሳ
24.  ሙላዉ ደመቀ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ መድሃኒኣለም
25.  ተሰፋይ ታደስ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጎማሃሎ (ዋዕላ ንህቢ)
26.  ተኽለ ሓድጉ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ መደባይ ዛና ጣባያ ኩሉ-ፈርሃ (ማይቡር)
ካብ’ቶም ብዙሓት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ዝተፀበሩ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ገሊኦም እዮም።



     ካብዞም ተሰለፍቲ ብስራሕቲ ሕርሻ ዝመሓደሩ ዝነብሩ፤ ተኽለ ሓድጉን ጉዕሽ ታፈረን ንህሉዉ ኩነታት መነባብሮ ሓረስታይ ህዝብናን ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ በደል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሪእቶ፤ ይንኣስ ይዕበ ወገንን ኣያን ዘይብሉ ኩሉ ዜጋ ተጨቊኑ  መሪር ሂወት የሕልፍ ከምዘሎን  ብፍላይ መንእሰይ ዕድመ ኣከል በፂሑ ሕርሻ መሬት ኣብ ዝሓተሉ የለን እናተበሃለ ብጉልበቱ ሸቂሉ ከይበለዕ’ዉን መታወቅያ ከሊኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት  ብኬላታት ብምዕፃው  ኣብ ሃገሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐስ ዓፊኖም ሕዘሞ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም።
    ተዓፂኻ ስቓይ ምስ መረሮ ዝመፀ ይምፃእ ኢሉ ኣብ ስራሕ ዉዒሉ እንትምለስ ወይ ናብ ስራሕ እንትወፅእ ኣብ መንገዲ ፌዴራል ፖሊስ ፀኒሖም ኣበይ ኔርካ ናበይ ኢኻ ብዝብል ሕቶታት ኣዋጥሮም  ብበትሪ እናቐጥቀጡ  ኣሲሮም የሳቕይዎ  ዘለዉ ሰብ መእላያ ከም ዘይብሉ ገሊፆም።
ኣስዒቦም ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኮይንካ ምንባር ኣዚዩ መሪር እዩ ድሕሪ ምባል፤ ነታ ንኩሉ ማዕረ ትብፃሕ ሕርሻ መሬት ዝኽተሎ ዘሎ ኣተዓዳድላ ኣድልዎ ዝተመለኦን ሚዛናዉነት ዝጎደሎን ኮይኑ፤ ነቲ ድኻ ዓይኒ እናረኣየ ሸፊኖም ነቲ ወዲ ሃፍታም ወይ ወገኖም ዝኾነ ከዓ ዝመረፆ ናይ ሕርሻ መሬት ዝረኽበሉ መንገዲ ኣዚዩ ሓፂር ከም ዝኾነ ኣብሪሖም።
    እቲ ዘገርምን ዘሕዝን ከዓ ሓደ ገና ወዲ 18 ዓመት ምስ ሓዳርን ናብራን መስሪቱ ካብ 1 ክሳብ  5 ቆልዑ ዝወለደ ኣብ ዕጫ ማዕረ ስለ ዘዉድቑዎ ዘለዉ፤ ኣጋጣሚ ነቶም ደቂ 18 ዓመት ብቐፃሊ እንትበፅሖም፤ እቶም ዕያላት ኣብ ርእሲ ኣብ ርእሲ ዝሓዙ መራሕቲ ስድራ ብዘይ መሬት ኣብ ልዕሊ ወልዶም ተፀጊዖም ዝብላዕ ዝቕመስ ስኢኖም ከርፋሕ ናብራ ህይወት ዝመርሕሉ መፈትሒ ዝሰኣነ ቀንዲ ፀገም ሓረስታይ ህዝብና ኮይኑ ከም ዘሎ ኣገንዚቦም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ 4 ዓመት ተማሃራይ ዝነበረ ሰይፉ ኣለሙን ኣብ ባህርዳ ዩኒቨርሲቲ ን2 ዲግሪ (ማስትሬት ዲግሪ) ዝማሃር ዝነበረ ኪዳነማርያም ተጠምቀን ብወገኖም ንኣካይዳ ስርዓት ወያነ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ሓሳብ፤ ተማሃራይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ ብሉፅ ዉፅኢት ብምምፃእ ስራሕ ዝረኽበሉ ባይታ ዘፍቅድ ስርዓት ስለ ዘየለ፤ መብዛሕትኡ ተማሃራይ ኣብ ክንዲ ንትምህርቲ ቀዳምነት ዝህብ ንቐፃሊ ኣብ ፅቡቕ ስራሕ ንኽምደብ ዘማዓራርይሉ ሰበ ስልጣን ክእልሽን ከፍቱን ግዝኡ ከሕልፎ ይግደድ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።


   ኣብ መወዳእታ  ዩኒቨርሲቲ ማለት ወዲ ድኻን ወዲ ሃፍታምን ብዘይ ኣፈላላይ ዝማሃረሉ ትካል እኳ እንተኾነ፤ ስርዓት ወያነ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ግና ነቲ ዓቕምን ወገንን ዘይብሉ ተማሃራይ ንኸይማሃር ምእንቲ፤ ዝኾነ ተማሃራይ እኹል ትሕዝቶ ዘለዎ ሃፍታም ወይ በዓል መሃያ እንተዘይ ኮይኑ ድማ 100 ሽሕ ቅርሺ ብወሓስ የትሕዝ ስለ ዝብልዎ፤ ነዙይ ክገብር ዓቕሚ  ዘይብሉ  ምስኪን ተማሃራይ ዓመታት ዝለፈዓሉ ትምህርቲ ብዘይፍረ ገዲፍዎ ክወፅእ ግድን ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።