Thursday, August 29, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ክረአ ዝፀንሐ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ሕዚ እዉን ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕፅል ብምህላዉ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ዝርከብ ተሓቢሩ።





ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝኽተልዎ ኣከፋፍላ ግብሪ ንዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ግምት ዘይእተወ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኮነ ተባሂሉ ንሰብ ትካላት ኣዳኽምካ ኣብ ትሕትኦም ንኽብርከኹ ዝተወጠነ ዘይሓላፍነታዊ ዉዲት ብምዃኑ፤ ብግዳያት ንዘቕርብዎ ተደጋጋሚ ጥርዓን ቆላሕታ ህቦም እወንታዊ ምላሽ ክህብሉ ፍቓደኛ ክኾኑ ከም ዘይከኣሉ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ካብቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ዝግደዱ ዘለዉ ነጋዶ ዉሽጢ ንምጥቃስ፣-
1.          ዘዉዱ ኣረፋይነ ዝተባሃለ ወናኒ ቤት ሻሂ   ምስ ዓቕሙን ትሕዝትኡ  ዘይመጣጠን 17 ሽሕ ቅርሺ ክኽፈል ዝተወሰነሉ
2.         ኣይተ ዘርኢሰናይ ሰመረ ወናኒ እንዳ ሸቐጣ ሸቐጥ 130 ሽሕ
3.          ኣይተ ወልደኪዳን ወናኒ ቤት ጫማ(ሳእኒ) 36 ሽሕ ክኸፍል ትእዛዝ ዝተወሃቦ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ብመጠኑ ዝሓለፈ ግብሪ መንግስቲ ስርዓት ወያነ፤ ኣንፀርፂረቶም ወዲኦም ካልእ ባዕላዊ መማረፂ ኣብ ንምንዳይ ሃሰዉ ይብሉ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነበርቲ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ዝኾኑ ነጋዶ ንብረቶም ብምሻጥ ይስደዱ ከም ዘለው ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።